ዎ ፍቕረይ

Poems

(ብገ/ኢ. ጐርፉ) –

ዎ ፍቕረይ ኣነን ንስኽን
ብዘይ ስሓቕን ፍሽኽን
ከተዃረና፣ ከይትብኣስና
ክንደይ ዓመታት አሞ አሕለፍና
እዝጊሄር ድኣ ክልተ ጌሩ ፈጢሩና
እምበር ሓደ ሰብ ግዲ ኢና ኔርና!

ዎ ፍቕረይ ንስኽን ኣነን
ሓዳርና ዘግርም ደይኮነን!
መሪጸኪ ካብ ኩለን ኣንስቲ
ትማሊ ኾነ ሎም-ምዓልቲ
ሓሳብን ዘረባ ቓልናን ሓንቲ
‘ሞ ሓደራኺ ቀዲምክኒ ኸይትሞቲ!

ዎ ፍቕረይ፣ ኣነን ንስኽን እንተ ዝኾነልና፣
ነዛ ዓለም እዚኣ ብትንትና ኣውጺእና፣
ከም ብሓድሽ፣ ከም ትምኒት ልብና
ሸሊምና፣ ኩሒልና፣ ኣጻባቢቕና፣
ከም ዘይትሞት፣ ዘይትሓምም ጌርና
ንዘልዓለም እንዶ ምሃነጽና!

 

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *