ጉሎ መኸዳ: ዝቫን ዳሞ

Poems

(ብተመስገን ከበደ) –

እንታይ ኢና ንርእይ ዘሎና ኣብ ጉሎ መኸዳ
መንቨረ ንግሥት ማኽዳ
ፀለእታ ኽተንበርክኽ ኣንጏዒዲዳ
ዘይብገር ስራዊት ኾርዒዳ
ቅድሚ 3ሺሕ ዓመት ዘመነ ኣካሒዳ
ኸምዘይተወንጨፈት ኸምበርቂ ኖጊዳ
ብወርቂን ዕንቂን ነዲዳ
ሳብያን በሎ ግእዝ: ኣቦጊዳ
ኣንጎድጊዳ:
ምዕቫለ ጨቢጣ ኣብ ኢዳ
እንትስግዱላ ተንበርኪኾም ይሑዳ
ኽትምለስ ንዓዳ
ሚኒሊክ ወሊዳ::

ሕጂ ደኣ ናቬይ ኸይዳ
እንታይዳኣ ተረኸበ ዕዳ
ነፍጠኛ ምስ ሓሽከር ጣልይን ባንዳ
ዘንዳዕድዑላ ዘሎው አፍቲ ሜዳ
ኸም ዕንፆራሪት ወይ ኸም ሲካዳ/cicada!!

ዝቫን ዳሞ በሎ ደብረ ዳሞ:
ናይ ዳማት ነገሥታት ምሽግ ህድሞ
ፀላኢ ኽደፍሮ ፈፂሙ ዘይሓልሞ
ሕዚዳኣ መን ደየቮ ኸውድሞ
ታሪኽ ንኸንፅቱ ብገዘሞ::

ሽመዛና ቁሼት ናይ ኤዛና
ንጉሥ Himyra,
ምስ Radian,
Tsiyamo ኢልካ Saihen,
Beja, Kush ምስ Sabaian
ግዝኣት አኽሱማውያን
ፈፂሙ ዘይዛመድ
ቅንጣብ ትኹን ገመድ
ምስ ኣምሓራ ባዕዳውያን::

ግዜ ተገምጢሉ
አኽሱማውያን ምስዘሓሉ
አለና መፃእና ዝቭሉ
ሌትን ቀትርን እንትኽጅሉ
እንትሃሙ እንትኾሉ:
ሓዞ ልቐቆ: ዘራፍ እንትብሉ:
መንነትና ኽዕብልሉ
ኸንፁትና እንተኻአሉ
እናዓለሉ:
ሓይሊ ኣይሃቦም ዞምጏሓሉ::


The purpose of the poem Amharas are intimating there was a civilisation 1000years before Aksum. If there was it mast be Amhara civilisation led by Saba who had a child Menelik from Solomon. Hazemo, Damo wrongly and erroneously associated with present day Damat in Souther Ethiopia. Yet another false claim of history they are skilled at! Makda was nethe Sabina nor Kush, but Agazian
Please attach this at the bottom. The purpose of our narration is a rebuttal to the article below by the Habesha.

https://zehabesha.com/older-than-egypt-is-ethiopia

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *