በርደግ ኢለ

Poems

(ብገ/ኢ. ጐርፉ) –

በርደግ ኢለ፣ ተላዒለ
ብትኩሱ እንተይዝሓለ
ክኸይድዶ ተሻዅለ
ወይስ ሃዲአ፣ ቐስ ኢለ
ጸቢቐ፣ ተዃሓሒለ፣
ሳንጃይን ካራይን ስሒለ፣
ጠበንጃይ ኣቃባቢለ…

በርደግ ኢልካ ኽትልዓል
ትፈልጥዶ ከም ዝክኣል?
ስራሕ ይኹን ዕለት ብዓል
ዓራት ተጋዲምካ ምውዓል
እሑእ! እናበልካ ስዓል
ብሓሶት ምኽሪ ካብ ምምሓል
ኣብ ባሕሪ ኣቲኻ ምጥሓል!

ጓል ከይንብላ ወድ-ወዶ
ጉተንኣ ብዓል ሚዶ፣
ካብ ሓዞ፣ ጉተት፣ ስደዶ፣
ደይብ፣ ውረድ፣ ፀድያ-ጸዶ
መንከ ጨኪኑ ክኸዶ?
ደብረ-ኣባ፣ ጉንዳ-ጉንዶ
ሰላም ዘሎ ኣይ አብኡንዶ!

ተላዒለ ክኸድ ድኣ
ሃዲአ ብዘይ ቁጥዓ
እሞ ናብ ትሕቲ ኦም ጭዓ
ብሰላም ትምጻእ ‘ታ ቖልዓ
ትእቶ ናብታ መረብዓ
ኽንፍጽማ ‘ታ መብጽዓ
እታ ጉዳይ ክንውድኣ።

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *