ትግራይ ዓደይ

Poems

ዓደይ፣ ዓደይ፣ ዓደይ
ዓደይ ትግራይ ዓደይ፣
ጸላእትኽስ ሓመድ ድኣ ይብልዑለይ!

ልቦም ተመሊኡ ብሓሶት፣ ብቕንኣት፣
ሕርር ድኣ ይበሉ ብደም፣ ብውጽኣት።

እቶም ዝሃቀኑ ሕዝብኺ ኸጽንቱ፣
ህልቀቶም ይቐልጥፍ፣ ብደዎም ይሙቱ።

ንኣኺ ኸጥፍኡ ኹሎም ተላዒሎም፣
ናብ ዝዀዓትዎ ኣትዮም ናብ ገደሎም።

ገ/ኢ. ጐርፉ።

 

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *