ኣባ ዓራርኽና

Poems

‘ታ ሠራም ደሞተራ
ምስ ምኢቲ አእጋራ
‘ነባ ዓራርኽና
“ንዓ’ንዶ አዋግዐና፣
ተዓኹሊልካ በይንኻ
‘ታይ ትገብር አለኻ?”
ኢላ ‘ሞ ቐረበቶ
ኣጥቢቓ ጠየቐቶ፤
” ‘ታይ ‘ሞ ኽዛረበሉ
አረ እዝግዮ! በሉ፣
ሽሕ እግሪ አለኒ ኢለ
ክኾርዕ ወላዊለ፣
ሎም ‘ዶ ጉድ መጸኒ፣
መገረም ገረመኒ፣
ዓይነይ ጉድ አርአየኒ!
ሕሉፍ እዩ ሎም-ዘበን
እግሪ ዘይብሉ ተመን
ብዙሕ ዘስደመመኒ
ጎይዩ ‘ባ ቐደመኒ!”

ገ/ኢ. ጐርፉ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *