ናዓሞ፣ ንዒሞ!
ተሰዋዒ ተሰዋዕት
ከማዓልኪ ከመዓልካ
ከመይ ሓደርኪ፣ ሓደርካ
ቆሩኪዶ ቆሪሩካ
ዝሓዱሽ ገዛኻ
ድማሊ ዝዓተኪ ዝዓተኻ።
ራሕሪኪ/ካዮ ኸይድኪ/ካ
ገዛ እንዳቦ ገዛኪ/ካ።
ጥዑም ዝለመድኪ/ካ
ከመይ ይገብረኪ/ካ
ዕኽለ ማይ ሕዚ እንትሓርመኪ/ካ።
ስውዕ ደምኪ/ካ ዝዛሕዛሕኪ/ ካ
ቤዛ ሕዝቢ ትግራይ ኮንኪ/ካ፣
ቁልዕነት እንትይመኖኪ/ካ
ጉያ እንተይ ፀገብኪ/ካ።
ብረት ተዓጢኪ/ካ
ተዋደቅኪ/ካ
ሓመድ ክበልዔኪ/ካ።
ይካኣልዶ ክፍሕሮ
ብጭዃሮ
ዝሓዱሽ ገዛኪ/ካ ጓሮ
ድንኩል ዝወረሮ።
ክሓቑፈኪ/ኪ
ክስዕመኪ/ካ
ሓሳዕ ንሓዋሩ መዘክሮ
ናፍቆተይ ክጥብሮ።
ተላዓል ተላዓሊ
ኣየኻ በለኒ በልኒ
ኣነ እናሓመኒ
እናስቕሰቕኒ
የለኽን የለኻን እንትብሉኒ
ኽንደይካ ከይቅኒ ንስኺ/ኻ ዘይብሉ
ልበይ ተዳሂሉ።
ቅድሜኪ/ካ ባዕለይ እንተዝዕሎ
ኣዕፅምተይ ዘንቀጥቅ ሻቆሎ
ናፍቆት ትብሎ
ሕማ ም ጂኒ ዝሓዘሎ
መዓዝ ምወረሰኒ ነይሩ
ኣብ ልበይ ሠፊሩ።
ተጋዳል፣ ተጋዳሊት
ሓወይ መንዕሰይ፣ ቆንጂት
ንስኻዶ፣ ንስኺ ትሞቲ፣ ትሞውት
ዓዲ ኣቦ ክትምክት፣
ኣነ ክነብር ብሒወት
ኣቤት ክብል ኣቤት
ንስኪ/ካ ዘይብሉ ድሕሪ ቤት
እንታይ ክዓብሰለይ ንቅድሚት።
ወይኖ ዘይትምኖ
ናዓዶ፣ ንዒዶ፣ ንገዛና ሕድሞ
ብዘይ ዛዓኪ፣ ብዘይ ዛዓኻሞ
ቁስሊ ገዛ መን ክሕክሞ፣
መን ማሕረሻ ገዘሞ ኽሽከሞ፣
ከይረፈደ ትልሚ ክንዛዝሞ
ኣይፋልካን፣ ኣፋልክን ነዓሞ፣
ንዒሞ
ኣሎ ዝነግረካ፣ ዝነግረኪ
ሓቢርና ንፍፅሞ።
ተመስገን ኸበደ