ወንጀለኛ!
ዝኹሉ ተጓይኻ እናፈርጠጥካ
ሥልጣን ኮረቻ ኹጢጥ ዝፀምእዔካ
ስብ ዘይፈለጠልካ
ለካስ ነይርዎ እዩ ድርብርብ ማሕለካ።
ከይኣክል ናጥሪት፣ ናይመስተ ወልፊ
ዘይኣነ ሑሉፍ ለፍላፊ
መን ይብሉኻ
ብስም ህዋሓት ናማሓልካ
ኣብ ብልፅግና ዝጠሓልካ
ብርለ ዕጥቅኻ፣ ፋሽኮ ጠምንጃካ
ሕጊ እናሃንደስካ ሁውከት ትጠልፍ ትስፊ
ሃነፍነፍ እናበልካ ዘይርከቦ ፈውሲ
ከጓይየካ ናብ ጫፍ ፀድፊ።
ናይ ዓዲ ላዕላውነት
ናይ ተፈናቐሉ መልስካ ውሕስነት
ብትኽ ኣቢልካ ምሻጥ
ነውሪ!
ገበን እዩ ረዝን ሃጥያት፣
ካብ ኹሉ ካብ ኹሉ
ነውሪ ማእለያ ዘይብሉ።
እግዞ ኣንታ እግዞ በሉ ተማህለሉ
ይቕረ ዘይበሃል ወንጀል ንወንጀሉ
ተጋብር ማፍያ ዒዋሉ
ቖልዑ -እረግቶት -ጥኑሳት ዝቐተሉ፣
ኣንድዕዲዖም ዝረገፁ – ዝዓመፁ
ኽቡር-ኣካል ሥጋ ስብ ዝቖረፁ
ፈቲሖም ክስዱ ጥቕሞም ክብለፁ።
ካብ ዙይ ንዓቐብ ዘዓበየ ወንጀል
መዓንጣ ዝቖርፅ፣ ድብን ዘብል ሕራሮ
ንገሩና እንታይ ኣሎ
ዲያብሎስ ብዓቅሙ ዝገብሮ።
ተመስገን ከቨደ