ተሓፅቦሞ ተመሊሱ ጭቃ
እንተ ንስኻስ ዝቦኽበኽካ
ወይከ ዘይትፀርይ ትሓፅቡኻ።
እፍ-እፍ ኢሎም ተኽበሩኻ
ምራሕ ኢሎም ተሸሙኻ
ፆሞም ሓዲሮም ተዕንጉልኻ
ፅምዒ ማይ ጎሮሮም እናስንጠቖ
ከም ሽተል ካራ
ንስኻ በሽበሽ እናበልካ
እናጎፅጎፅካ ዊስኪ ቢራ።
ዘይ ዝሩብን ዝሩቡን እናዳደጓሕኻ
ተፀጋዕ መንድቕ ድሕር በል ጓና እናተላተምካ
እናወደቕካ እናተሳዕካ
ኣብ ዝመሸየካ እናሓደርካ
ናውራም ክብሪ ዘየፍትወልካ።
እንኻንዶ ንሕዝቢ ኽትሓሊ
ንባዕልኻ ዘትጠቅም ፈርሲ በቕሊ።
ሃየ ኣንቱም ስብ
እዕሪና ንሕሰብ
ግዜ ኽይወሰደ ነገር ከይተባላሸወ
ኸይበለ ውስብስብ
ነግልሎም ዞም ኣይጡዑያት
ኣይዑቡዳት፣
ንባዕሎም ክምዝሕሸሎም
ለኪሞምና ኸይፀድፉ ናብ ገደል
ንስተውዕል።
ድሓር እንታይ ይዓብ እውያት
ምስተማናጨትና
ምስኾና ድውያት።
ሃየ ናዓኻ እንድየ፣
ሃየ ናዓኺ እንድየ፣
ብሊ ጉየይ፣ ብል ጉየ
ነብስና ነድሕን
ተቓላጠፉ ከይመስየ።
በላይ ኣምበላይ