ኹሉ ተራ አለዎ ግዜ ንሓልዎ

News

የመና በዚሑ ካብዕቕን ንላዕሊ
ገንፊሉ
ካብ ካራ ሲሒሉ
ኸም እሳተ ጎመራ ኣብሊሉ

ሲኦል አይብልዎ ጏህሪ
እሾኽ አይብልዎ በትሪ
ገዛኣቲ ኣንዳዕዲዖም እንትረግፁ:
እንትዕምፁ:
ተላግፁ:
መሬት እንዳማቶም
ገሚዖም እንትቆርፁ:

ተበዳላይ ተደርፂፁ:
አፅቂጡ ኸይስማዕ ድምፁ:
ካብ ሞት ሱቕ መሪፁ::

ካልኦት እውን ከይደንገፁ:
ነሶም ዝመረፁ:
ሰብ ተበዲሉ እንትእውይ እንዳዳመፁ
ዝቦክቦኸ ሥርዓት ኸይብፅብፁ
ግዝኣት ሃጽያዊነት/Imperialism/ ንኽሃንፁ:

ወዲ ሰብ እንትድቆስ
ኸም ግራት እንትሕረስ:
መእተዊ መውፅዒ እንትዕበስ:
እንበርከ ፈጣሪ አሎዶስ
ኢሉ ምስህሊኡ እንትቃለስ
ዓዲ እንት- ትሕመስ:
ወይከ ኣልቦ ፈጥኖ ደርስ (ደራሽ)::

እሰይ እሰይ ደኣ ትፍረስ
እኒሄ መይዳ እኒሄ ፈረስ:
እዛ ውዕል ፈሰስ
ዘብለዐ ኢድ እንት-ቆርርፅ
ተሸከመ ማእገር እንት-ደርፅ::

ምስ ፀላእቲ ወጊና
ኽተፍርስ ዓንዲ ገዛና
ሌይትን ቀትርን ሃድና
ቆልዑ አይቐርይ አረግቶት:
ኽትሓርድ ኽትጎት:
ቅርሲ ኽትዘርፍ:
ሃተም ተም ክንፍንፍ
መስተ ኸምዝሓረሞ ውሉፍ::

እሞ ሕጅዶ ይሕይሽ
ኸም ቀደም ይመስለክን
ውሒጅ ይወስደክን:
ኸም ጥዋፍ ኽትጠይሽ::

ኣደዳ ፀለዕቲ
መሲሎም ፈተውቲ:
ድሕሪ ስውኣት ፈቆዶ ባዓቲ
ግዴኻ ሲዕቡ ባዕልኻ ሞዋቲ:
ውሊድ ወሎደኻ ንዘለኣለም ጥንቲ::

ተመስገን ኸበደ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *