ወለደይ ተጋሩ!

News

መን ኣሎ ብድልየቱ
ፀገም መከራ ዝፍቱ
ባዕሉ አብ ጪንቂ ዝኣቱ::

ቃልሲ መቂሩኒ
መስዋእቲ ናፊቁኒ
ምንባር ኣፅሊኡኒ
እንተይኾነ ምርጫይ
ኸይትጋገይ ብፃይ
ኽነግረካ እጫይ::

ታይደኣ: ኸምዕድል ኾይኑ
ወለደይ ተጋሩ
ብፀገም መከራ
መግዝኣት ኣምሓራ
እንጅቶም ሓሪሩ
ተይሞቱ ብደወዎም ተቀበሩ::

እሞ ናቶም ኸይአክል ብእዋኑ
እቲ መግዛዕቲ ብዝኸበደ ጎኑ
ተዛመተ ከምሕማም ለበዳ
ውልድ ወለዶኽዘብጥ ኸምዳንኬራ::

ወለዲ ሓቢኖም
ፀገም ፀይሮም
ኽሳዕ ዕለተ ሞቶም
ኣብ መሬት ሀገሮም
ስደት ፈንፊኖም
ነበሩ ቆንቂኖም::

ብድሕሪኦም ዝመፀ ወለዶ
ናብራ ምስኸበዶ
ተመነየ ኽሻገር ንማዕዶ:
ድሕሪ ዓቅሊ ፅበት:
ምፍጣርካ ዝሟገት
ሺግር ዕረ ምስጠዓመ ኸምሓሞት
ዓቅሚ ዘለዎ በዓል ጉልበት
ናብዘንፍልጦ ሀገር ጎርቤት
ፈለስ ኸምዕኮት
ይሕይሽ እንተኾነ ኻብቲ ናብራ ፀልማት

ወለዲ ዝስንከለ ብስቕያት
ኽቖፅሩ ዓመታት
አይሙውታት አይጥዑያት::

ግንከ ስደት ኣርማጮ:
ወጮ እንተገልበጥካዮስ ወጮ
ናብራ ምምሕያሽስ ይቅረ
እትወፅዐ: እትበደል በኣስ ኸረረ
ኻብቲ መሬት ሃገርና ዝሕረረ:
ይሕሽ እንተበልካዮስ ዝበኣሰ::

ቃንቆም ተማሒርና
ህጎምን ስርዓቶም አኽቢርና
ገሌና ደቆም እምሒርና
ገሌና ዘብዔኛታት ኾይና
ሽንቲ ቤቶም ፀሪግና
እንትንብር ርእስና አድኒና
ዓመፀኛ እይዓገበን ገና
ጠጠው ኢልና ብምኻድና:
ደለየ ወሲኹ ወሳሲኹ ኽደቑስና::

ተገዛኣይ ደልዮም
ሽሐነ ብርጭቆ ዝሓፅበሎም:
ግናኸ ህልውና ተገዛኣይ ፀሊኦም:
ለይቲ ምስቀትሪ ነገሩና
ማዕሮ ኸምዘይኾና:
ሓሻኽር ደቂ ጏና
ዓዲን ቅርሲ ኸምዘይብልና:
እንበልኦ ንስትዮ
ንኸዶ ኸምዘይኣፍሬና::

ታሪኽ ቀቢሮም
ፅዊፅዋይ ፈጠራ ፊሒሮም
ኽውን ኪሒዶም
ዘይኾነ ሚሒሎም ጢሒሎም
ብዘይግበርዎ ተናኢዶም
ብዘይ ማዐርጎም ተስይሞም
ሕሶት ተኸናኒቦም
ጢሒሎም ሚሒልም
ብዘይወዓልዎ ተሞጊሶም
ብዝገርም ካብ ጦር ሜዳ ሀዲሞም
ሀርቡኛ መድይልያ ተሽሊሞም
መንኸማና

ራስ ተፈርያን ንሕና
ፀለምቲ ኸም እግዚሕር ዝሰግዱልና

ኢትዮጵያ ናሕና
ቃንቃኦም ቃንቃና
ባህሎም ባህልና
ብዕስለኹም ሓሺከርና
በሉና::
ዝብኢ ኣብዘይፈልጥዎ ዓዲ
ኸይዱ
ቆርበት ኣንፂፍኹምለይ ኺዱ
ኸምዝበለ ነቶም ዘስተንገዱ
ተጋሩ ኣብ ድሕሪ ቤቶም ተዋረዱ::

ፀልማት ዝፈርሕ
ኣብ ቡኽራ ይሓርዕ
መሲልዎ ዘይወግሕ
ኽንዲ መጢኑ ዝበልዕ
ግዕዙይ ቡርጡጥ
ፅርየት ዘይፈልጥ:;
ኽሳዕ መዐዝ እና ንፆሮ
እዚ በስሮ

ንብዓትና ፀንቂቁ ሑቄና እናስበሮ::

ያሬድ ሑሉፍ

For more information please watch the YouTube video link. Click here to watch.

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *