ዘመነ መሳፍንት

News

ዘይወግሕ ወጋሕታ

ኩኩናይ ዘይንቁወሉ መረበታ
ገድሊ ምሸት ገድሊ ወጋሕታ
ወላድ ምግልጋል ፃዕሪ እንትጎታ
ክሳብ ኣፍ ሞታ
ኣብክንዲ ሓገዝ ዘውርድ እፎይታ
ምሽምጣጥ ተፀጊዕካ ኣብዝሞቀ ቦታ
እናበልካ ባዕላ ዘምፀኦቶ ሸማሚታ
ክተሽሞንምን ኣብ ገዛ እንዳማታ:
ጉንብስ ጥልዕ ዘልመደት ንጎይታ::

እናበሉ ትልብድዋ ዘይ ናታ
ነገር ሽፍታ
ናታስያ ንሓማታ

ቀደሙውን ዋዕዋዕታ
ነወሕቲ መልሓስ ፈርኬታ
ባዕሎም ጮርጊፎም ኡይኡይታ::

እዋን ገድሊ ኾታ
መጀመርታ
ፀላም እዋን ‘ዘመነ መሳፍንት’
ሃብዎ ሹም መፀዋዕታ::

ያሬድ ሑሉፍ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *