ይገርመናሎ!

News

ይገርመናሎ!

ቀጥቂጥካ፣
ጀፊዕኻ
ኽንደይ ዘየቑሰልካ::

ሓሪድካ
ኽንደይ ደም ዘየፍሰስካ:

ቀቲልካ
ኽንደይ ዘይቐበርካ::

ደቂ ሰብ ምጏኖም
ቅንጭ ከይበለካ:

እንታይስ ዓጅቡካ
ቑፅሮም ዘይፈለጥካ:
መንከ ኽሓተካ::

ውዒልካ ሓዲርካ
ቐኒኻ ዓመታት ኣቑፂርካ:

ዊስኪ እናሰተኻ
ጮማ እናቖረፅካ::

እሂን ሚህን እናበልካ
መቐመጫ ጎራዙ እናደረዝካ::

ዘይወግሕ መሲሉካ
እሞ ሕዚዶ ይሕሸካ
ማዕበል ቡዱላት እንትንህደካ
ወዕተዊ መውፂዒ ሲኢንካ:
ንጀርመን እንተሃደምካ:
እስራኤል እንተጎይኻ
ኣትላንታ እንተተሓባዕካ
ውሽጢ ቐሚሽ ኖርወይ እንተተሸጎጥካ
ዝለመድካዮ ባጠራ ሲዕንካ
መሸቀጢ ወልፊ ዝለመድካ:
መስተ ይኹን ሲጃራ
ኣፅዋር ይኹን ዕንደራ::

ገና ኻብዕ ዝገደደ መዓት
ታ እወ ታ ትፈትዋ ሂወት
ኸምቶም ዝጎተትካዮም ደቀባት
ቐሪባላ ኽትጉተት ቢሂወት

Click here to display content from YouTube.
Learn more in YouTube’s privacy policy.

ተመስገን ኸበደ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *