ኣባ ጉምባሕ ዓድዋ እንዳ ራዕሲ (Updated)

News

ኣባ ጉምባሕ ዓድዋ እንዳ ራዕሲ

ኣባ ጉምባሕ ዓድዋ እንዳ ራዕሲ

ኣባ ጉምባሕ
ታይ ተረኸበ
ገድፍካዮ ጎምባሕ ጎምባሕ
ኣብ ኦም ሰፊርካ ለይቲ ምስ ወጋሕ
ግሊግለዶ ኣብዩካ ምዝርጋሕ
ጉልበት ደጊሙ ሪሕ ኢሉ ደርጓሕጓሕ፣

ወይስ ቀላሚጦስ እንዳ ራሲዶ ነዊሑ
ፀጊሙ ምውራድ ምድያብ በዚሑ።

ከምኣመልካ
ምሕራድ ሥጋ ግኣሪምካዮ እንታይኮንካ
ማይ ጓጓ፣ ታየ ጀርዲን፣ ፀው ኢለን ዘይብሉ ንስኻ?

ቅንጥብጣብ ሥጋ ዝኣርየሉ ጎልጎል
ዓፅሚ ዝስብረሉ ኣንጉዕ ክፍልፍል
ግምጃ ቤት ዓድዋ ኽሸጦ ሸንሽኑ ክፍልፍል
ዝብዒ ረኺበዮ ደኒኑዛዕዛዕ ክብል
ኣማሪሩ እንትምሕል
መረበቱ ዝርጊፊ ንስደት ክነቅል
ብኻርያ ፍረ ሙና
ሕዝካ ቀጢና መሚና
ዘይንሳ መሲላ የመና
እግሪ ወዲቓ ለሚና
ዝብዒ ጎይታ ለይቲ ላምባዲና
ሓላው ባዓቲ ውሻጠና
ንስኻ ዘይብሉ እንታይ ክውሕጠና
ሳላኻ ንሓድር ንነብር ተረፍካ በሊዕና
ነዓኻ ተሪፍካ ትኸውን ነዓና
ይቕረ ኣይትኺድ ኣዲ ጓና!

እንተለመነት ቡኻርያ እንተበኸየት
ኣበደን በለ ዝብዒ ቆሪፁ ንስደት።

ኣነ ኣባ ጉንባሕ
ማዛጋጃ ድሕሪ ምሕራድ ሥጋ
ቆራሪፁ ምጥባሕ
ወሰንኩ መሬት ከይረግፅ
ይምሸይ ይንጋሕ

ኣብ ኦም ዓሪደ ተረጊፀ
ዝመፀ ፃፀ
ይኹን ፅምብላሊዕ
ወሰንኩክበልዕ
ኸብደይ ክሳዕ ዝመልዕ
ከም ተኽለሃይማኖት
ወዲ ሓፍቱ ንይኩኖ ዓምልክ
ኣንኮበር መሳፍንት
ክቆርብ፣ ክንሳህ
መንግሥተ ሰማያት ወሪሰ ክፍሳህ፣
ከምዑውን ግምጃ ቤት ካዓ ገሃነም ክትርዐስ
በቲ ዝፈፀሞ ግብረ ርኹስ።

ነገር በሓፂሩ ኣብዛዓለም
እንኤኹ ኣብ ኦም
ይውዕል ይጋደም
እናምባሃቁ፣
እናበልኩ ሰለም፣
ፀሉይለይ ባዕላ እዛ ኦም
ማዛጋጃ ኸየጋድም።

በላይ ኣምበላይ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *