መለስ ተኽለ!

News

መለስ ተኽለ
ትግራይ ዝቦቐለ
ኹመል ዝበሰለ።

ወዲ ውፅዕ ሓረስታይ
ደፋዕ ድንኩል
እንካንዶ ንወዶም
ንርእሶ ዝኣክል
ዝብላዕ ዝስተይ ዘይነበሮም
ዋላካ ፅምዲ ተስታይ

ሓደ ነቡዑ ሓጋዚ ዘይብሉ
ብፅፍሩን ብእግሩን
ባዕሉ እንተኸነ ተዋፊሩ
ሸቅሊ ዕለት ብሽልን ተቆፂሩ
ደንጎላ ተሸኪሙ ኣብማዕገሩ
እዙይ ኩላ ተፃዊሩ
ፊደል ዝቆፀረ ኣጣሚሩ
በለኽ ክሳዕ ዝብል ዩኒቨሲቲ ተማሂሩ።

ሓየት ዘይሕለል ሹደን
ንድኽነት ዝበለ ኣበደን
ፈናቂሉ ዝሰበረ መፃወድያ
መግዛዕቲ ባርያ
ኣብ ትግራይ ዝቦኽዔ መዳቨርያ።

መለስ መዓዝ ከ ክምለስ
እምቢ በለ ንመግዛእቲ መቑደስ
ኣብ ትግራይ ከይንስነስ
ኣሽደዕደዖም ዕሱባት መግዛእቲ
እንትዛርብ፣ እንትፅሕፍን ቀትሪ ምስለይቲ
ናዕቢ ሓይሊ ምስኮነ ድምፂ ተበደልቲ
ረሸንዎ ጎቲቶም ኸም ኸፍቲ
መሲሉዎም ዘይብሉ ስዓብቲ
ደሙ ፈሲሱ ዝቀሪ ኣባዓቲ
መዓዝ ፈሊጦም
መለስ እት ዓቢይ ኦም
ኣውዲቆም
ኸም ዘይሓድሩ ደቂሶም
ቀስቂሶም ቀስቂሶም
ወያነ
ፈጠሩ ፈዳይ ሕነ።

ድሕሪ ኽልተ እድሚዑ ዝኣክል
ዝደቀስ መለስ
ምግልብባጥ ጀሚሩ ምትርኣስ
ዳግማይ ንኽምለስ
ኣቨደን መግዛዕቲ ንትግራይ ኽምለስ።

ናይ ቓልሲ ሕዝቢ ትግራይ ደርፊ ተኣንገዱ

ተመስገን ከቨደ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *