ኽደት ኣብ ጉለይ!
ኣየ ባርያ-ጋብር፣
ኣነ እየ ዓገበኛ ምሳኻ ዝሓብር
ማዓዝ ፈሊጠ ምኻንካ ውዕል ፈሰስ ሕንክርክር
ዕዳጋ ዘርጊሕካዮ ዋዕላ ናይ ክልተና ምስጥር፣
ነገር ተወዲዑ እንታይ ሒዘ ደጊም ክንብር።
መልሓሰይ ቁረፃ
ንሱካ እንትንዕሳ
ዓዲ ዝሃነፆ
ሚስጥር ዛሕዚሓ ተውፅዕ
ዝቐላል መሽረፈት
እብዘይትፈልጦ ሸርሒ ትፍትፍት ።
ደርዕሞ ትስነይ እንዳተገየፀ
ምሳኻ መስተ ዘጉመፅመፀ
መሲልዎ ሃገርዝሃነፀ።
ከንፈረይ ስልዓዮ
ምሳኻ እሒን ሚሕን ዝጀመረ- ዕዮ
ተይ-ኣፃረየ መን ምኻንካ ዋህዮ።
ፈፅፍፆ ኣንጎለይ
እንታይ ክገብረለይ
ቀቂልካ ብልዓዮ
ሓዊስካ ምስ ኣዕፅምቲ ጎነይ
እድሕር ዘየስተንትን ዘይትልመለይ።
ብጎሎም ዓዒንተይ
ጨርሰ ክዕውር
ቀደሙውን ሽውራር
ምርኣይ ተሳኣኖ ሕልኽልኽ ድንብርብር።
ስልዓዮም ኣእዛነይ
እንታይ ክገብሩለይ
ዘንበድብዱ ፅምብላሊዕ
ልጡፋት ኣብጉንዲ ገፀይ ሩባ
ፅን ኢሎም ዘይስምዑ ባንባ
መትረብ ረሳሕ ወረ
ዒህን ሚሂን ተደከረ
ቑምነገር ዘይሓዘለ።
ስልዓዮ ትዕደይ
ተንጠልጢሉ ዝውዕል ኣብጎነይ
ሥራሕ ዘይምነይ
ኣይፅሕፍ ኣይስዕል
ኣይዓትር ኣይኹስኽስ፣
ኣይሓርስ
ብዘይካ ጠቕሊልካ ምኹላስ።
ቑረዖ እትዕግረይ
ተጨቢጡ ዝውዕል
መንገዲ ዘይትልም ኹርሙይ።
ካብ ኩላይ ካብ ኩላይ
ድኹም ሰነ ልቦናይ
ምንቀኛ ኹሉ መንደላይ
ሕማም መንሸሮ
ኸቢድ ክትፀሮ
እማሕፅነካ ሰሊዕኻ ደርብየለይ
ክፈኹሶ ዛባነይ።
ኹሉ ቆራሪፅካ ምስወዳዕኻ
እቲ ዝተረፈ ገፈፍ መገፍ
ኣብ ደገ ኣፍ
መስጊድ ይኹን ቤት መቅደስ
ጉዝጓዝ ገርካ ኣብሎ ከፍ
ትካቦ እናበልዔ ዝካኣሎ
ይቕንይ ክሳብ ዝዕሎ
ሓመድ ኽበልዖ ዕጅጅ ክሳዕዝብሎ።
መን ምንባሩ
እንታይ ነይሩ ተጋብሩ
ካብ እንመን ተወሊዱ
ምስ እንመንከ ተዛሚዱ
ባዓል መንከ ወሊዱ
ትማ-ሊሎሚ- ፅባሕ
ዘይብሉ ዘስታውስ
ህሳስ- ድምሳስ
ናይ-መሽቓብር- ትርኣስ
ይግብአኒ ታ-ማዓልቲ ትስታውስ
ምሳኻ ሓቢረ ትኽመስምስ
ሚስጥር ዓዲ ትለውስ።
በላይ ኣምበላይ