ሆየ-ሆየ፣ዘይበለ ዘይታዓደለ!
ዓኒ ዋሪ
ፅብቅቲ ኹሕሊ
ናባይ በሊ
ተዘወሪ-ተዛወሪ፣
ዳዕሮ ዒላ
ዋዓሊ
ማይ ሹም ሓወልቲ ኩለሊ
ጎቦ-ድራ ሰውሒ-ወርቂ ኣብሊ።
እብ ማዕገር ሰብ ደው ተሓንገሪ
ዓሊላ-ዓልሊ
ካሌብ ኤዛና ሳዓሚ
ማዕተብክን መስቀልክን ዶጉሚ
ከም ትማሊ ሎሚ።
ሽርቦ ጋመ
ተቖነኒ ካዓመ
ሸንቅጥ መዓንጣ ንመን ከምዘይ ሃበ
ነዊሕ መቀነት
ተጠምጠመ፣
ሰቲ ሰምሃል
ነስ ንስዮ ተጠምጠመ
መቓብሮም ጥዑም ሸቶ ክሸቶ
ነዊሕ እዋን ዝሓርበቶ።
ሆየ! ሆየ ዘይበለ
ዘይታዓደለ።
ሆየ-ሆየ
ነዓኻ እንድየ
እፅበይ ኣለኹ ኣማስየ።
ሆየ-ሆየ ዘይበለ
ሽግ ተዓኹለለ
ባርዕ ዘይኣንበልበለ
ዘይተዓደለ።
ኹለል ተኻለል
ዓኾኻይ-ዓኾኻይ በል
ኾላዓዮ ኽላዓል በለ
ኣፅቂጡ ዝገበለ።
ኣባራዓዮ እትመንደላይ
እዋን ከይፀልመተ ከይ ወሰደ ሥራይ።
ጁዳ ኤስካርየት/Judas Iscariot
ፃድቃን መሲሉ፣ ዘብዒ ጌታ
ቸው-ቸው እናበለ
ኣብ ጎኒተጣቢቁ ዝዓሰለ
ሚስጥር እናፈልፈለ
ዘቐበለ።
ትግራዋይ መሲሉ
ጉልባብ ተሸፊኑ
ተዓኹሊሉ ተጎንጊኑ
ምስ ኢማራት/emirate ወጊኑ
ዳግማይ ጁዳ
ዝወረደ ዕዳ
ዳዕሮኻ ጎሚዱ ዘንደዳ።
ጁዳ ጌታ-ከዳዕ
ሆየ-ሆየ ዕሰል
ከም መስቀል
ተኽብራ ግናኸ ተንድዳ።
ሆየ-ሆየ በል፣
ሆየ-ሆየ በሉ
እዙ ኸዳዕ ብዕኹልሉ
ሓዊ ሺግ ይዳንዮ ከምኣመሉ።
ትዶጎልካ ኣምበለዋይ ሰንበለዋይ ከሎ
መንሞ ይዘሎ
ብዛይካ ጥፍኣት ዝዓደሎ።
በላይ ኣምበላይ