ትግራይ ትፍረስ ትደምሰስ!

News

ትግራይ ትፍረስ ትደምሰስ!

ኣንታ ዘይንሰምዖ የለን
ሳልሳይ ወያነ ኢህን መነይ
በል ካልዖት እውን ፀውዔለይ
ላዕልን ታሕትን ዝዋራጨፉ
ንሕና ንሕሸኩም እናበሉ
ሥልጣን ሓቡና ከይትስንፉ።

እሹ ሕራይ
ትግራይ
ብደም ተጋደልቲ ሕወሓት
እና ንጠበት
ሃገር ምስኮነት
ብእግራ ጠጠው ኢላ
ናይ ባዕላ
ሠራዋት ም ምሕዳር ተኺላ
ምኻድ ምስጀመረት ኣስተርሕያ
ምንሕናሕ ንሥልጣን ጉያ
ኣነ ይሕይሽ ኣነ ማለት
ንቡር እዩ ቕያ።

ካብዙይ ብዝሓለፈ ንቡር ዝጣሓሰ
ም ምሕዳር ይፍረስ
ሠራዊት ይደምሰስ
እናበልካ ጥልዕ ጉምብስ
ታይ ሃገር ሕዝካ ዳኣ ክንገሥ ኣይኑ ካባ ኽልበስ
መን ክዕጅበካ ክትጉስጉስ
ኣይንዑ ሕዝቢ ክግብር ፈሰስ
ትግራይ ምስፈረስት ምስተደምሰሰት።

ምፆት!
እንታይ ዝዓይነቱ ዕብደት
ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ውርደት
ዕግሪ-ዓይኒ ዘይብሉ ክሕደት።

በሊዖም ንዘይጭርስዎ ሃርጎፍ -ጎፍ
ትርፉ ኽፉዕ ሞት ዘይተርፍ።
ኣንታ ዞም ውልቀ ሰባት
ሸይጣን ዝሰረሮም ዓደምቲ ጥፍኣት።

ተመስገን ኸበደ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *