ብሰንክኻ ትግራይ ተዕዊ

News

ብሰንክኻ ትግራይ ተዕዊ
ሌትን ቀትሪ ነዲዳ ብሓዊ!!

ዓለም እንትተፍሪ
ዝይተለሊ ጥዑም ይኹን መርዛም ነዉሪ።

ስብ ኣይብዎ ሸይጣን ዝበሃል ተፈሪ
ትግራይ ዘሕለፈቶ ግዜ እርይ ቑፅሪ
በደልን መከራን ዓቐን ስፍሪ
ከይትላዓል ክትከድ ብእግሪ
እናደጋገመ ትዘብጣ ብበትሪ
እሞ ከይትኹሪ ብናህሪ
ምስሌነ ባንዳታት “ሓሶት ተጋሩ” ፊተውራሪ
ኣብ ርዕሲ ሸይሙ ክዕልሉ
ውናዩ ክፍፅሙ ኸይተሓለሉ።
ዝሸጣን ኾሳስ ቑንጭ ጎታት እግሪ
ብፅልዒተጋሩ ልቡ ዝነደደ ጓህሪ፣
ትግራይ እንትዑኑ
ቅርስታታ ትሕቲ መሬት ዓፊኑ
ኣህዛባ ኣብ ስደት በታቲኑ
ኽነግሥ ወሲኑ
ግዝኣታ ብሹድሽተ ጦር ሠፈር ድዕኒኑ።

ማጭው በል መቐለ
ኩሓ ኽልተ ኣውላዕሎ
መንገዲ ሰንገለ
ዓዲ ግራት ዓድዋ እግሪ ሶለዳ ኹሕለ
ሑመራ ምዕራብ ትግራይ ዝጠቕለለ።
ወታደራት ኣዕሰለ።

ከምዘይ ነበረ ትግራይ ዙርያ ዝኾለለ
ዓዲ ድር ጣሻ ግጥም ዝበለ።

ሓራምዝ በል ኣናብር ኣንበሳ
ዝባድ በል ጉሬዛ
ዘንደዕድዕሉ ተባረኸት መሬት ሓበሻ።

ታይሞ ሕማቕ ግዜ ሳኣን ባሻ
ኦሞታቱ ቆሪፆም ብፉስ ብሞደሻ
እንካንዶ ኣራዊት ኩጓየይሉ
ስብ እካ ክነብረሉ
ዘይክዕል ደረቅ በረኻ ቆፅላመልፂ ዘይብሉ
ጥር ትብል ዕኽሊ ዘይቦቑለሉ
ገይረሞ እህባይ ዝውዕላሉ።

ዞም ሠራዊት ፈቆዶ ሩባን ሽንጥሮ
ቀትሪ ይኹን ፀሓይ ኣራርቦ
ስብ ሓዳር ይኹና ቆላዑ ዘይጀመራ ኑሮ
መሰለን እናረገፁ
ጠያቂ ዘየለ እናላገፁ
እናደርፁ፣ እናዓመፁ
ድቃላ ዓልየት ኽብውዙ፣ ፍረ ነብሶም ትብፅብፁ፣
ብሕማም ወረርሺ ትግራይ ትልምፁ
ዕላማ ተፈሪ ብተግባር ከረጋግፁ።

እይ ተፈሪ
ቁራፅ ሸይጣን መሰሪ
ስብ ኹሉ ኣይኮነን ነባሪ
ምሟትካ ሞይትካ ናበይ ከይትቀሪ
ግናኸ ናዓኻ፣ ዓማፂ ወራሪ
ሞት ትንዕሰካ ትሕቲ መሬት ቀብሪ
እነሆ ብሰንክኻ ትግራይ ተዕዊ
ሌትን ቀትሪ ነዲዳ ብሓዊ።

በላይ ኣምበላይ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *