እዋኑ ኣብቂዑ..! Clean your house!

News

እዋኑ ኣብቂዑ..! Clean your house!

እትፈትዋ ብርጭቆ ፋሕ ኢላ ተሠራ እብ ምድርቤት ገዛ እንተተበትና ፣ ሰለ ትፈትውያ ዝነበርኪ እቲ ስባር እንተዘይ ኣራሪኺ ደርቢኽዮ ውፅኢቱ እግሪኺን ፣ እግሪ ካልኦትን ጨዲዳ ጨዳዲዳ ተምፀአልኩም ካሊእ እዳ።

ስለዙይ ስባር ብርጭቆ ጉሒፍካ ምድርባይ ፣ፍልጠት ዘየድልዮ ፣ ክግበር ዘለዎ፣ ገዛ ካብ ዘየድልይ ሓደጋ ምፅራይ ይኸውን። ውሺጡ ግጡም።

እሞ ትዝግርዎዶ ጌታቸው ምስ ኣወል ኣርባ ገልድም ተኸዲኑ ፣ጉራዴ ተዓጢቁ እህን-ሚሂን እናበለ ስእሊ ለጢፉ እንትረኣይ?
ለካስ ከም ስባር ብርጭቖ እግሪ ትግራይ ንምድማይ!

ንሕና ዝመሰለና ምስ ጎረቤት ህዝቢ እናቀራረበና። ህዝቢ ትግራይ ላዕልን ታሕትን እናበለ ደፋእ ደፋእ፣ እብ ግዜ ፀገም ፣ ንሱ ግና ኣብ ዓፋር መዓስከር እናመስረተ ምኻኑ እዩ ነይሩ።
ፁቡቅ ዝበልናዮ፣ ከይተረደአና ህዝቢ ትግራይ ንስ ንስና ከዋድአና እዩ ዝሰርህ ነይሩ።

ከምቲ ዝደለዮ ኻዓ ገሩ። ራያ ካብ ትግራይ ፈልዩ ዘይሕለም ስርዓት፣ ዘይሕለም ሃገረ መንግሥት፣ ዘይሕለም ፍሉይ ህዝቢ ክገብሮ ላዕልን ታሕትን ክጓየይ ጀምሩ።
ስብ ዘይፈልጦ ራያ ካብ ኢትዮጰያ ብግዜ ኋይለሥላሴ ዋላካ ባዓል ሳራ ግዛው ብመርዓ ይተኣሳሰራ እንታይ ተጠቂማ ብዘይካ ድንቂርና ትምህርቲ ቤት ዘይብላ ፣ ገደላ ገደል ፅርግያ ዘይብላ፣ አረ ክንደይ ጉድ ክዝረ።
43 ሽህ ጋሻ መሬትጅ ገዝሚ ንልዑል ኣስፋወስን ንወለተእስራኤል ብ1931 ምስ ተመርዓወ እትወሃብ። 19 ሺህ ንኣበበ ኣረጋይ እንዑ ኣስካለ ጎበናሓሽከር ሚኒልክ ዝነበረ
እቲመሬት ራያ ተገሚዑ ንወሎ እንትወሃብ።
ህዝቢ ራያ (ፍሉይ ካብ ትግራይ) ከም ኣብ ኦሮሞ ዝነበረ ሥርዓት ጪሰኛ፣ መሬቱ ተሓዲጉ እናሓረሰ እኽሉ ንሸዋ መሳፍንቲ ይግብር ነበረ።

ሕዚ እንፃድቃንጌታቸው እዙይ ናፍቅዎም ድዩ ራያ ንበይና ዉይካዓምስ ሸዋ ዝብሉ ዘለዉ? ደናቁር ወይ ንዕቐት ራያ ከምዑ ኣቢልካ ትግራዎት ደናቑር ምቑፃር።

ይዕበይ ንንኣስ ሆስፖታል፣ ዩንበርሲቲ ወዘተ ከም ሃገራ ሕዚ እንትህልዋ ራያ ንበይና ከም ተበደለት ምቅራብ ሕሶት ናይ እኒ ፃድቃን ጌታቸው ን30 ዓመት በሊእፕም በላሊኦም፣ ሰሪቆም ስራሪቆም ድሕሪ ራያ ኻና ተሓቢኦም ሕርፋኖም ንምምላዕ ዝጓየይዎ ተንኮል መፅብዓ ከም ዘይከውን ኣፀቢቁ ይፈልጥ። ብዛዕባ ራያ ኻዓ ሓንቲ ቅንጣብ ኣይግድሾን።

እንታይዳኣ እተዓሸወ ህዝቢ ራያ መሳርሒ ጥራህ ንምግባር ስለዝደልዮ እዩ።

ሓደ ስብ ብዛዕባ ጥቅሚ ህዝቢ ክዛረብ/ክᎂገት እንተኾኑ ናይ ባዕሉ ጥቅሚ/ጉድኣት ንጎኒ ገሩ ኣብ ሓቁ፣ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ጠጠው ክብል/ክብል እለዋ/ዎ።

እከለ መራሒ ወዲ ሩባይ። እከሊት መራሒት ጓል ገዛይ ኢልካ/ኪ ሺንጥኻ/ኺ ገቲርካ ትካታዕ እንተኾንክ/ኪ መጨረሹዑ ውሕጅ ይወስደካ/ኪ።

መረሕቲ ትግራይ እሞ ግዜ ከይዓረበ ህዝቢ ፣ ከይለከመ እዞም ጎሓፋት ብቑሸት፣ ብኣውራጃ ዝᎂጎቱ ገፊጥኩም ደርብይዎም ፣፣ ዝመፀ ይምፃእ።
ተሸኪምካዮም/ፀርካዮም ምኽያድ ሳዕበኑ ካብቲ ጥቅሙ ሰማይን መሬትን እዩ።

ክቀትለካ ንዝጓየይ ኢድካን እግርኻን ጠሚርካ ምፅባይ፣ ሓቓፋይ ንምምሳል ብፖለቲካ democratic ወይም ብኣንደበት ዕጉሥ ምምሳል ዘየዋፅእ፣ ብሒጊ ፣ ዘይፍቀድ ናይ ዓያሹ ሥራሕ ይኸውን።
ውፂኢቱ ካዓ ውድቀት። clean up your house before it is too late!

By Belay Ambelay

እዛ video ስምዕዋ ሓብ ንክትቀስሙ

 

 

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *