(Updated) (1 ካብ 3 ኽፋል)ሊህቃን ኣምሓራ: ኹራዝ መብራህቲ ደቂ ሕድርትና!

News

ኣብ ጎቦ ሰብ ዘይድይቦ ፀልማት ለይቲ ብልጭ ህልም ዝብል እሞ ገፅካ ዘወር ኣቢልካ እንትትምለስ እዙይ ብልጭ ህልም ዝብል ሓዊ ተፋሒኹ ኣብ ካሊእ እንትውላዕ እንትዋይ ዘዓብደ ሰብ ምስ ኣራዊት ይነብር ትብል: ለካስ ሰብ ዘይኮነስ ደቂ ሕድርትና እየን ስርሄን ዝምንና ኢሎም ዓቢቲ ይነጉርና::

ፈላጣት ግና ኸምዑ ኣይኮን ይብሉ: እዚ ሓዊ ናይ ሓቂ እንተይኮነስ ናይምዕሻው ሓዊ መስ-መስ ዝብል ተፈጥራዊ ብርቕሪቅ እዩ ይብሉ:

እሞ ናይ ኣምሓራ ሊህቃን ከምዙይ ብርቕሪቕ ሓዊ ሕዚ ኸም ተረኦም ክሕሱው ዘወር እንተይበልካ ፈንተት ኢሎም ትሪኦም ኽምሕሉ እንትጥሕሉ::

ወለጋ፣ ወሎ፣ ራያ፣ ወልቃይት፣ ፀገዴ፣ ሊሞሊሞ፣ ጎጃም፣ ሸዋ፣ ሃረር፣ መተከል፣ ቤንሻንጉል፣ ኾታስ ፀውዕ ዝኾነ ሃገር እንታይ የሕፍሮም ናህና እዩ ማለት: ዝብእስያ ኣብዘይፈልጥዎ ዓዲ ኸይዱ ቆርበት ኣንፅፉለይ በለ።

ኣምሓሩ ብዘይካ እብ ንዑሸተይ ቁሸት ኣንኮበር ትባሃል ንሳውን ሕንቂልሕንቂሊተይ ከይትኸውን የፍርሕ እንካንዶ ወሎ ኸምኡውን እተን ካልኦት ዓዲ- ኣቦ ና ኽሽምዑ እንተለው እንታይሞ ይግበር እንታይሞ! ካብያ ጣፍ ዝሃቦ ኣፍ ዝሃቦ ይብሉ ኣቦታት::

ኸምዚ ብልጭልጭ ዝብል ደቂ ሕድርትና ሓዊ ዝመስል ብነዳድ መሬት ዘድዊ ዘይሃለወ ኣለኹ ዘይኣንደደ ዘንድድ ኣምሓሩ ኣብኹሉ መሬት እንዳማቱ ኣለኹ እናበለ ዝዕንድር ገባቲ ጎንደራ ኾይኑ ይነብር።

በትረ ሥልጣን ሳላ ፀዓዱ ዓለምለኻውያን ረጊፆም ሒዞም ምስፍሕፋሕ ምስጀመሩ ኹሉ ዝረኣይዎ ልሙዕ መሬት ተቆፁሮም ንጥቅሚ ነብሶም ዝሸጡ ምስለንዬታት ወኪሎም ሃገር ስለተመሓዳደረት ኣምሓራ ወይም ዓዲ ኣምሓራ ኾይና ማለት ኣይኾነን።

እዙይ ሓቂ ጠፊኡ ማለት ኣይኾነን:

ካልኦት ሊሂቃን እዙ ዝፈልጡ ቅድም ኢሉ ጠፊኦም ኣይነበሩን ማለት ኣይኾነን: ብርግፂ ጊዜ እናነውሐ እትኸይድ እቶም ፈላጣት እናጠፍኡ እቲ ሓቂ ኸምኡ እናሃሰሰን እናጠፍኤን ይኸይድ ነይሩ እነሆ እብዚቀውጢ እዋን ተደሪኽና ንነብር ንርከብ::

እቶም ዝፈልጡ ሊሂቃን መፅሓፍ ሰንዱልና ዝፃሓፍናዬ ዓለም የንብቦ ኸይብሉ መሓውር ናይ መንግሥቲ ተቛፃፂሮም ኣምሓሩ ኸምዘይፈቅዱ እናፈለጡ ንዘይኸውን ነገር ኣፎም ምኽፋት ሓደጋ እምበር ትርፊ ዘይብሉ ኸምዝኾነ ብምርዳዕ ኣፎም ዓፂዬም ፍልጠቶም ኣብ ርእሶም ተተርኢሶም ዓለም ይሰናበቱ። ኣርባዒተ ነጢቢ!/fullstop!

እዙይእዩ ንሸውዓተ ምኢቲ (700) ዓመት ዝኾነ ኣብ ኢትዮጵያ ዘመነ ዕግርግር ታህዋኽ ምዕባለ ኣልቦ ትርፊ ደም ምፍሳስ ኣኽሱም በል ኣገው ሥልጣኔ ኣብ ክንዲ ምኽታል: 1275 ይኹኖ ኣምላኽ ካብ ቑሸት ኣንኮበር ተወሰኑ ‘ኢሊት’ ኣምሓራ::

ኣብዛ ፅሕፍቲ ካብ 1700-1974 እንተትኩር ኣዚ እዋን መረሕቲ ዓዲ ዝነበሩ ወይ ኦሮሞ ወይ ፍርቂ ጎኖም ኦሮሞ ዝውሓዱ ኻዓ ኣገው ሠለኽተ ተጋሩ እምበር ኣምሓራይ ዝባሃል መራሒ ኣይነበረን:: ገዛእቲ ነይርና እናበሉ ዝፍኩሩ ሕንቅልሕንቅሊተይ እዩ::

እንድሕር መራሕቲ ኣምሓሩ ዘይነበሩ እቶም ናይ ካሊእ ወገን ብዘይ ናቶም ዘይኮነ ህዝቢ ኣሜን ኢሉ ዝኽተል ሠራዊት ኣጥርዮም ጦር ተዋጊኦም ኣሽኒፎም ዓዲ ኽቖፃፀሩ ኣይምኻእሉን ነይሮም: ስለዙይ መብዛሕቱ ወሎ ወለጋ ሸዋ ጎጃም ቤገምድር መተከል ቤንሻንጉል ጉምዝ ዓዲ ኦሮሞ ኣገው ቅማንት ሸናሻ ፈላሻ ዓፋር እዩ/ነይሩውን::

ነዙይ መርትዖ ንጀምር

ንግሥት መነን ሊበን ኣመዴ ንንጉሥ ኣሉላ ዓሊ ተመርዒየን ራእሲ ዓሊ ኻልኣይ ወሊደን: ንራእሲ ዓሊ ኻልኣይ ኣባ ሰሩ ጏንጉል ዘቢሀረ የጁ ኣቦ ሓጉኡ ነይሮም: 1778 ዓም ሞይቶም::

ኣባ ሰሩ ጏንጉል ዘቢሀረ የጁ ኸዓ ካብ ኣባ ጌትየ ወልደ ወለዶም ካብ ሸኽ ኡምር እንትኸውን: ንወይዘሮ ገሊቡ ተመርዕዮም ነይርም: ወይዘሮ ገሊቡ ጓል ራእሲ ፋሪስ ዘብሄረ ላስታ ነረን::

ኣባ ሰሩ ጏንጉል ቡዙሕት ውላድ ነይሩሞም: ነኣብነት ደጃዝማች ወሌ ደጃዝማች ኮርሚን ወይዘሮ ኣስቴር : ካብ ወ/ሮ ገሊቡ ኸዓ ራእሲ ዓሊ ቀዳማይ ራእሲ ኣሊጋ ወይዘሮ ከፈይ::

ብ 1819 ራስ ዓሊ ኣሉላ ተወሊዱ ኣቡኡ ራእሲ ኣሉላ ዘብሀረ የጁ ኦሮሞ እትኾኑ ራእሲ ዓሊ ቆልዓ እንተለው እዮም ሞይቶም።

ድሕሪ ሞት ራስ ኣሉላ መንበረ ሥልጣን የጁ ብራእሲ ይማም ኣኮ ራእሲ ዓሊ ዳግማይ እንትኾኑ ብታሕሳስ 1825 ንኃይለማራም ገብሬ እብ ዋልድባ ኺናት ሳዓሩ። ድሕሪ እቲ ኺናት ሹምሽር ኣካይዶም ንጉሥ ባእደ ማርያም ኣውሪዶም ን ጊጋር ንጉሥ ገይሮም እንትሾሙ: ዳሓር ነገር ሽፍታ ውቤ ሃይለማርያም ምስ ራእሲ ይማም ሸሪኹ ንጎሹ ቡሩን ማሩ ኣብ ውግእ ኮሶበር ብ1827 ገጢሞም ማሩ እንትቅተል ጎሹ ንጎጃም ሓዲሙ ነብሱ ኣድሓነ::

ብ1828 ይማም እንትሞውት እንዳየሱስ እትቅበር ድሕሪኡ ዶሪን ማርየን ንስልጣን ተናሓናሕቲ በጌምድር ምስ ስባጋድስ ኣብ ማይ ኢስላም እንትዋግዑ ውቤ ተሓዊስዎም ነይሩ: ምንም እኳ ጓል ስባጋድስ ወይዘሮ ድንቅነሽ ይመርዐው ከምኡ እውን ደጃት ስባጋድስ ንውቤ ጋል ኣቡኡ፣ የውብዳር ተመርዒዩ የሺመቤት ይውለድ::

ብጡልን ምርሶን የውብዳር ብመጥቃዕቲ ውቤ ዓዶም ሓዲጎም ናብ ትግራይ ሃዲሞም ዕቁባ ስባጋድስ ረኺቦም እትቅመጡ ድሕሪ ስባጋድስ ንማርየን ዶሪ ምስኣሸነፈ መርሶ ብድጋፍ ስባጋድስ ሹም ቤጌምድር ኾይኑ ተሾመ::

ምንም ዳኣ ማርየ ይቀተል እምበር ውቤን ዶሪን ኣብ ኻልኣይ ዙር ጦር ኸፊቶም ደጃት ስባጋድስ ተታሒዞም እንትስቀሉ ወዶም ሓጎስ ኣብ ጦር መዳ እንተዋደቐ እንተሎ ተሰዊኡ።

ትግራይ ኣብ ኢድ ውቤ ወዲቓ መጥቃዕቲ ዝርፍያን በፂሕዋ። እዚ ኹሉ ዝኸውን ዝነበረ ኢትዩጵያ ማለት ኣብ ኢድ ይመር ማርየ ዶሪ ኣልየት ኦሮሞ ምንባራ ንኸረጋግፅ እየ::

ዋላ እኳ ሂርት ጉግሳ ስብኣያ ሃይለማርያም ገብሬ ይንበር ንሳ ሓፍቲ ይመር ዶሪ ማርየን ኦሮሞ እያ ስለዙይ ደቃ መርሶ ቡጡል የውብዳር እውን ፍርቂ ጎኖም ኦሮሞ እዮም።
ብ1831 መነን ኣመዴ ወዳ ራእሲ ዓሊ ኻልኣይ ወዲ 12 ዓመት ስለዝነበረ ንሳ እንደራሴ ተሸይማ ተመሓዳድር ነበረት።
ግንኸ? እመቤት መነን ኣመዴ ዓብላሊትን ገባቲቲን ስለዝነበረት ወልዴ ተኸሌ ምስለኔን ዘመድን ራእሲ ኽንፉ ንሶም ምስሞቱ ቸንቲ በር ብ1839 ገጢማ ምስኣሸነፈቶ ጎጃም ተቓፃፀረቶ።
ብ1840 ከኣ ን ንጉሥ ሳህለድንግል ኣውሪዳ ስብኣያ ዮሃንስ (ሳልሳይ) ንጉሥ ኢላ ሸሞቶም።

ዮሃንስ ኣምሓራይ ስለዝነበሩ ወዲ ድሙ ኣይገድፍ ግብረ ዕሙ ኸምዝበሃል ኣብ ክንዲ ወዲ ሰበይቶም ራእሲ ዓሊ ሹም በጌምድር ዝገብሩ ንውቤ ሓረዩ: በዚ ግብሮም ዝኾረየት መነንን ወዳን ተዋዲዶም ዮሃንስ ነፂጎም ሰህለድንግል ንጉሥ ገበሩ።

በዙይ ዝመፀ ምፍሕፋሕ: ውቤ ምስ ቡሩ ጎሹ ዓሊ ምስ ወዲ ሓው ኣቡኡ ቡሩ ኣሊጋዝን መርሶ (ፍርቂ ሓው ውቤ) ተዋዲዶም ጥሪ 7 1847 ተዋጊኦም ዓሊ ኣሸነፉ።
ግና ኸ ዓሊ ዳኣ የሸንፍ እምበር ኦሮሞን ኣስላማይን ብምንባሩ ነቲ ዝሸሞ ንጉሥ ሳህለሥላስሴ እታ ኦርተዶክስ ቤተ ክርስትያን ንኽትቅበሎ ፍቃደንኛ ኣይነበረትን።

ስለዝኾነ ራእሲ ዓሊ ኣብ ሚተራ ጥቃ ጣና ዝርከብ ቁም እስር ዝነበረ ገብረክርስቶስ ኣፍቲሑ ንጉሥ ክኸውን ገበረ:: ኾይኑ ግን ናይዕድል ኾይኑ ምስተሾመ እብ ሰለስተ ወርሑ ገብረክርስቶስ ሞተ። ነገሥታት ኢትዮጵያ ናይ ጦር ኣዘዝቲ ብይን መፃወቲ ይመስሉ ነይሮም:

እቶም ጦር ኣዘዝቲ ኸምድላዮም የሽከርክርዎም ነይሮም እንትፈትው የድይብዎም እንትፀልኡ የውርድዎም።

ብ1846 ካሳ ሃይሉ ናይ ብሓቂ ሹሙ ግና ካሳ ወልደገርጊስ ንመነን ሊበን ኣብ ኲናት ደንብያ ኸሽንፋ እንቶሎ ንኻልይ ጊዜ ኻዓ ወዳ ራእሲ ዓሊ ኣብዘይነበረሉ እዋን ብምኽንያት ንጎጃም ምስ ራእሲ ብሩ ጎሹ ኸይዱ እንተሎ ኽዋጋእ ካሳ ወልደገርጊስ ብ18 ሰነ 1864 ኣሸኒፍዋ: መነን ን ንጉሥ የሃንስን ተማሪኾም እንትእስሩ ድሕሪ ሰለሥተ ወርሒ ካሣ ምስ ራእሲ ዓሊ ዘተ ዕርቂን ኣካይዱ መነንን ንጉሥ ዮሃንስን ኽፍትሑ ራእሲ ዓሊ ንካሣ ሙሉዕ መዓርግ ደጃዝማችነት ምስ ግዝኣት ደንብያ ንካሣ ኸርክብ ተስማምዑ:

ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ስምምዕነት ግና እቲ ዝምድናን ዕርቅን ሓርፊፍ ዋላ እካ እንተነበረ ጓል ራእሲ ዓሊ ተዋበች ተመርዕዩ ዝንበረ ካሳ ወልደገርጊስ ሰነ 29 1853 ካሣ ንራእሲ ዓሊ ኸምዘይላዓል ደምሽቁ ኣሸኒፍዎ: ብ ዛንታ ን ኣዳል ገፅ ሃዲሙ ደኣ ይበሃል እምበር ብድሕሪኡ ኣበይ ኸምዝኣተወ እንታይ ይውሓጦ ዝፍለጥ ነገር የለን ካብ ታሪኽ ገፅ ጠፊኡ።

ቀፂሉ ብ1855 ካሥ ንውቤ ዓጠቕጠቕ ኣቢሉ ምስ ሰዓሮ ንሱን ወድን ኣብ እስርቤት ኽሳዕ ዝሞቱ ኣበስቢስዎም። ዋላካ ሰበይቲ ካሳ ወልደገርጊስ ጥሩወርቅ ጋል ውቤ ትንበር እምበር ምሕረት ኣይገበረሉን ኸም ራእሲ ዓሊ ጓሉ ተዋበች ዓሊ ኣቦኣ ካብ በትሪ ካሣ ኣይኣምለጦን።

ቀፂሉ ካሳ ወልደገርጊስ ሠራዊት ኋይለ-መለኮት (ናይ ሃፄ ሚንልክ ኣቦ) ስዒሩ ምንሊክ ማሪኹ ቁምእስር እንትገብሮ ማንም ዘፍርሖ ሓይሊ ኣብ ጎጃም ሽዋ ወሎ በጌምድር ስለዘይቁረየ “ሃፀይ ቴድሮስ ንጉሠ ነገሥት ዘኢትየጵያ” ኢሉ ኣብ ቤቴ ክርስትያስ ተስየመ።

ኣቦ ካሳ ኣይተ ወልደገርግስ ኽበሃሉ እንኡ ከኣ ወይዘሮ ኣትጠገብ ወንድወስን ይበሃላ: ቅድም ኢለን እንዳ ደጃት ሃይሉ ሰራሒት ፀብሒ እንትነብራ ዳሓር ኮሶ ሸያጢት ኾይነን ካሣ ኣዕብየኖኦ
ካሳ ኻልአይቲ ሰበይቱ ጥሩወርቅ ውቤ ካብ ወይዘሮ ኸፈይ ወልደሥላሴ ንጉስ ትግራይ እንትኾና ካብ ካሳ (ሃፀይ ቴድሮስ) ኣለምዮህ ወሊደን።
ቴድሮስ ምስሞተ ጥሩወርቅን ወዳን ብጀነራል ናፔር ተማሪኾም ን እንግሊዝ እንትጋዓዙ ጥሩወርቅ ኣብ መንገዲ ሓሚመን እንትሞታ ካብ ምዕዋእዕ መሊሶም ንትግራይ እንዳ ኣባሕጎአን ንጉሥ ወልደስላሴ ጨለቆት እንደርታ ተቀቢረን።

ቴድሮስ ትግራዋይ ምንባሩ ዘማላኽት ናይ ቤጌምድር ሸዋ ጎጃም መረሕትን ንጉሥታ ትን እንትድምስስ ንትግርይ ገፁ ቆላሕ እይበለን እኻዳኣ ጉግሳን ማሩን ካሳ መርጫ ካብ ትግራይ ንቤጌምድር ድግስ ተዓዲሞም ቴድሮስ ንጉግሣ ደጅዝማች ንማሩ ፊተውራሪ ን ካሳ መርጫ ኻዐ ባላምባራስ መዓርግ ሸይሙ ንትግራይ ብሰላም ኸመሓድሩ ስንይዎም።

በላይ ኣምበላይ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *