ትግርኛ መልቀስ

News

1) ሓደ መንገደኛ ቀብሪ የጋጥሞም’ሞ ካብ ቀበርቲ ኣጣይቑ እቱ ዝሞተ ስባጋድስ ዝብሃል ቆልዓ ኸም ዝነበረ፣ ገረማርያም፣ ወለማርያም ዝብሃሉ ኣሕዋቱ ብሕይወት ከም ዘለው የረጋግጽ እሞ ከምዙይ ኢሉ ኣልቀሰሉ ይብሃል፤

“ገረማርያም ከይትብሎ ከም አሓቱ
ወለማርያም ከይትብሎ ከም አሓቱ
ስባጋድስ ኢላቶ ዘይናቱ
ኣይስሙንዶ ኸቢድዎ ጸቒጥዎ ሞይቱ!”

2) ክልተ መንገደኛታት ተዝካር እነይ ሰበነ ዝብሃላ የጋጥሞም’ሞ ካብ ርሑቕ ዝመጻእና ኣዝማድ ኢና ኢሎም ተዝካር ክበልዑ ኣተው። ኣሰለፍቲ ግን ስለ ዘይፈልጥዎም፣ ተረፍ- መረፍን ዝዓሰወ እንጀራን ብዝሃብዎም ከምዙይ ኢሎም ኣልቀሱ ይብሃል፤

“እነይ ሰበነ፣ እነይ ሰበነ
ንስኽን ዝሞትክን ዓሚ ሰነ፣
ንሕና ዘልቀሰናልክን ሎም-ዘበነ፣
ኣሻዒቱ ዘርድአና ሰብ ተስኣነ፣
ተስካርክን በሊዕና ዝዓሰወ እንጀራ ዝሰበነ።”

3) ‘አሕድሩኒ፣ ዝመሰየኒ መንገደኛ እየ’ ኢሉ ይኣቱ’ሞ ሽዓ ለይቲ ሞይቱ ይሓድር። ብዘለው ጎራብቲ ክቐብሩ እንትኸዱ መን ምዃኑ ስለ ዘይፈልጥዎ ሓደ’ኳ ዝበኪ እይነበረን። ሽዑ ሓንቲ ዓባይ ሰበይቲ ነተን መናእሰይ ኣጓላት፤ “ኣብ ዘይዓዱ፣ ኣብ ዘይዓውዱ ወዲቑ’ምበር፣ ሰብ-ወድ -ሰብ እኮ እዩ፣ ብኸያላቱ እንዶ!” ይብለአን። እተን አጓላት ድማ፤ “ስሙ’ኳ ዘይንፈልጦ፣ መን ኢልና’ሞ ክንበኽየሉ?” ይብላ።
“በይዛኻ ይስጠሐኒ መንገደኛ
መላኺ ዘይብላ ሓደ ዳኛ
ሞትዶ አርከበትካ ድንገተኛ!”
እናበልክን ብኸያሉ ይብለአን’ሞ። እሺ ኢለን ከምኡ እናተቐበላ በኸያሉ ይብሃል።
ገ/ኢ. ጐርፉ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *