በራድ እንተገልበጥካዮስ በራድ!

News

የማን ፀጋም ፀፋዕፋዕ

ንፀሊም ፃዕዳ ጎንብሕ ጥልዕ

ፕረዚደንታት በሎ
ግዝኦም ዝሓለፈ ዐዕራብ ንጉሥታት ጉርንጭቶም
እመት ዝኣክል መልሓስ ሞረድ
እናደጋገምካ ምልሓስ ክሳዕ ዝጭምደደ፣
እንተተኾቡ ቁርብተይ ርያድ::

ሃንፋፍ ኢድ ስብ ዝለመደ
ከይፀመደ ኣንጎደ
ዝረኸቦ ከይወገነ
ኣምላኽ ኸይኣመስገነ
ናይ ስብ ዕጃም ክኸትር ኒሂሩ በነነ::

ፈቖዶ ኣይሮባ
ጏይላ ጨፈራ
ዳስ ዳንኬራ
ተሸፊንካ መከረኛ ባንደራ
ምድጋስ ፈሽፈሽ
ባጠራ ነሽነሽ
ዳሞተራ፣
ወዲ ኣፍ ኣብሮም ጠሸሽ::

ሰለልቲ
ጎሮሮ ዓፈንቲ
እንተውደኽድኹ
ላዕሊ ታሕቲ
እትፍኩሩ እንፃ ዓጋመ
በላዕ ኹዕንቲ
በቃ ተወዲዑ
ኤርትራ ብሕቲ
ናይ ዓለም
ኣባይ ሃገር ሓንቲ
ምስክሩ ኣንስቲ
መቐመጨኤን ዝሓበጣ
ንዕራብ ትሽየጣ ክዝበጣ
ኹሊት ወዲ ስብ እንትገላበጥ ከም ገበጣ
ዓዕራብ ንኽነብሩ ልዕሊ ኣላሕ ዝሃቦም
ናይ ምንባር ስጦታ::

ብረት ዝዓጠቑ ብዝሓት ከም ኣንበጣ
ተስርቀ ገንዘብ መሊዑ ሎቖታ
ኢሳያስ ኸመይ ገሩ ከምልጣ
ይብሉ ተመስገን
ኤርትራ ዋና ኣለዋ
ብርቱዕ ጎይታ::

ስልሳ ዓመት ኣላጊፆም
ቑስሊ ድኻ ኤርትራዊ/ት ደራሪፆም
ሕጅ ግን እርጋን ኣርኪባ
ዓርሓ ደርሆ ቑንጭቑንጭዑ ቦጊላ
ኽንቲት መቐመጭኡ ተነቒላ
ኮምቦውኮምቦይ ይብል ፈቐዶ ዋዕላ
መስሓቕ ስብ ኣረጊት ዒዋላ::

እርጋን መፂኣ ኣፍጢጣ
እዚ መን የምልጣ
ጎይታ የለ ደኽታም ቆማጣ
ገንዘብ ኢልካ ብረት ኣየሽቆጥቁጣ::

መን ዘይበለ ኣነ እንትፍኖ
ንደቀይ ይተርፎ
ግንከ መን ኸምዘተግበሮ
ዓሻ ፀማም ደንቆሮ
ካብ ቶም ዝሓለፉ ጏሓሉ
ዘይወስድ ምህሮ::

ተመስገን ኸበደ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *