ንመለስ፣ ነገር ባሓፁሩ!

News

ድሕሪ ኽንደይ ኸርተት

ነዊሕ ጉዕዞ
ሓፀውፀው
ናብራ ስደት፣
ምስራቅ ምስረገፆ፣
ዘደንገፆ፣
ምዕራብ ዘደንዘዞ፣
ሽቐጥ መቐጥ ዝነገሶ
ኽብሪ ሰብ ዝረኸሶ፣
ዓይኒ የለ ስኒ ሃሰስ
ኸይፈተና በ ጦቡሎቅ
ሹዶናይ በል ጎርዞ::

ኽጥምዝዞዶ ደኣ ሎምስ
ገፀይ ኽጥምዝዞ
ንዓዱ ገፅ ኽመልሶ
ሳንባይ ኸስተንፍሶ፣
ርዕሰይ ኸድቅሶ:
ልበይ ደም ኸርሕሶ
እግረይ ረጊዑ መሬት ኽረግፆ
ወፊሩ ብሰላም ኽምለስ
ኢደይ ከዋሳውሶ
ዘፍረኽዎ ኽሓፍሶ፣
ሑቐይ ብሰላም ኸንተርእሶ
ናብራ ዓዲ ጋና ከይረበሾ
ታጁር ኸይደሽደሾ
ኽብሩ ኸይኣርከሶ:
ኣይተሙውት ኣይትሕዊ
ቑራስ እንጀራ ከኹልሶ::

ይመለስ ልበይ ይመለስ
ኣካል ይመለስ
ትግርኛ ኸም ማይ ይፍሰስ
ዝጋዕዘየ ኣካለይ ይሕፀቦ ኽሕደስ::

ናብ ንቡሩ ኽምለስ
ቦታ ሲዒኑ ኸይድምሰስ::

ይመለስ ዝባን
የርገብግብ ሑቐ
ኻሻ ጆንያ ካብሽከም ርግሔ
ምስጃዕጀዔ ምስቦኽቦኸ
ወዲቁ ከብዝድርቤ::

ይኽድ እግሪ ይራመድ
እምባ ይደይብ ቁልቁል ይውረድ
የንኮድኩዶ ጭቃ ምስ ሓመድ
ካብ ተጠሚሩ ዝኹርመት
ነዋርሕ ምስ ዓመት:
ኣብ ዕፁው ገዛ ብመስኮት
ኽጥምት:
ምስቁሪን በረድን እንትሟጎት::

ይኺድ ዓይኒ ይጠምት
ጥርቂ ምርቂ ክይኾነ ኽሽምት:

ይኺድ በረካ ደደቢት
ክጥምት ዕስለ ሠራዊት:
ኣንበሳ ኣራዊት:
ኣዕፃው ሻምበቆ ምስ ሸዊት::

ይመለስ ይመለስ
ሕሊና ይመለስ
መሗውር ይመለስ
ዓነውነው ኸይበለ ፍርስርስ:

ፀላኢ ኸይሕጎስ
ትግራይ ንኸጉምብስ:
ኣስተርሒዩ ኽድቅስ::

ኽሳዕ ኽንደይ ኣሎ ናብራ ጥምብስብስ
ኣብ ኢድ ፀላዕቲ ኽንብስብስ:
ኸም ቁርዲ ድ ጠቢቆም:
ሥጋ ምስ ኣዕፅምቲ ክስብሩ ብጥስጥስ::

ፀርፊ ተወዲዕዎም ምቕታል ካብ ጀመሩ
ዞም ኣምሓሩ:
ኸምዕውን መን ኽትብሎም ዘሸግሩ
ወስን ባሒሪ ዝነብሩ:

ኤረ ነውሪ እዩ ነውሪ
ናብ ኣድና ንመለስ ተጋሩ:

ነገር በሓፁሩ:
ንበሎም ዞም ቦኻሩ
ብደም ሰብ ዝነብሩ::

በላይ ኣምበላይ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *