ዓድዋ ማዛጋጃ ቤት!

News

ዓድዋ ማዛጋጃ ቤት!

እዚ ፅሑር ንማንም ድርጅት ኣብ መርከብ ሥልጣን ዘተቐመጠ ይኽን ተናሓናሒ ዝፃረር ገይሩ ኽውስድ የብሉን:: ንኻልኦት ምንቃፍ ሓፂርን ቀሊልን እንትኸውን ጠጠው ኢልካ ነብስኻ ምምርማር ግን ሓደ ሓደ ስብ ይፅግሞ:: ነብሱ ዘይምርምር ኻሊዕ ቅኑዕ ተዓዛባይ ብዛዕብዑ እንታይ ከምዝሓስብ ዘይፈልጥ ኻብቶም ንሱ ዝወቕሶም ዝባኣስ መንገዲ ጥፍኣት የስዕብ:: ንበዝሕ ስባት ስነ ኣዕምሮናን ልቦናናን ኣብዝዓመረ ሳዓብቲ ኣብዝሓየለ ኣምለኽቲ እንትንኸውን ቁኑን ካብ ጉጉይ ምፍላይ ዝፅግመና ካብ ድሑር ሕብረተስብ ዝወረስናዮ ሥልቲ ብቀሊሉ ኽንገላገል ምግባር የሽግረና እዩ። ግንከ እዚ ተብ ተብ ከይሃስብካ ከይኣስተንተንካ ተጓይኻ ምውሳን/ምፍራጅ እናፈለጥካ ኽፍኣት በደል ምፍፃም እታ ንደልያ ሓያል ትግራይ ክንምስርት ንቅድሚት ኽንጏዓዝ ኣይንኽዕልን። እዚይ ክቕየር ኣለዎ።

ሕዚ ናብቲ ዘምፀዔኒ ነገር ክድህብ፣

ቐደም ብዘበን ኃይለሥላሴ ዓድዋ ማዛጋጃ ቤት ሓንቲ ክፍሊ እንዳምችኤል ተኻርዪ ካብ ሠለሥተ ዘይበዝሑ ሠራሕተኛታት ቖፂሩ ኣይሙውት ኣይሕዩው ተመደበሉ ሥራሕ ይሠርሕ ነበረ፣

ዝበዝሕ ግዜ ኻዐ ጋሕ ኢሉ ቤት ፅሕፈት እንትውዕል  ኣፉ ኸፊቱ ይውዕል ነበረ፣ ከምዚ ሕዚ ወርቂ ብታኣምር (Gold Rush) ካብ ስማይ ኸም ማይ ዝፈስስ ግዜ መን ሓለሞ መን ኣስተንተኖ: ቁልፊ ክፍትካ ትትኽስ ውዒልካ ኣምባሂቓ፣ ኣምባሂቓ ንገዛኻ ጉዕዞ ነይሩ:። ጉቦእኻ መን ኽሕስም ነይሩ እንተትረኺቡ ግን ገንዘብ ክንዱትይ እይነበረን ኣብ ጁባ ስብ፣ ጉቦ ዝህብ ወይ ዝቕብል፣ ዝሽየጥ ወይ ዝልወጥ “ወርቂ ስማይ”/ Gold Rush ኣይነበረን: እምባሂቓ እምባቓ ጉዕዞ ንግዛኻ ይኸውን፣ ዘመን ኃይለሤላሴ መኮነን  ጉግሳ።

ድሕሪ 1985 መሬት ምሻጥ ምልዋጥ ምስተኣወጀ “ቐይህ ሓመድ” ቡሩር ወርቂ ኾነ፣  ወናኒዑ ኻዓ መዛጋጃ ቤት ኾነ::

ካብ ሠለሥተ ተቆፀርቲ ሠ ራሕተኛታት ናብ ኣማዒት ዝቁፀሩ  ዝኾኑ: ማዛጋጃ ቤት ሠራሕተኛታት ተወሰኹዎም:: ብድሕሪዑ ማዛጋጃ ቤት ዝብልዔሉን ዝስተየሉ ዝስረቐሉ ማጀት ማዕኸል ቁማም ኾነ:: ያም ያም ማማሚያ!

ከይጋገ ብዛዕባ ዓድዋ ዝፈልጦ ጥራሕ ክዛረብ: ካሊዕ ቦታ ንኻልዖት ክገድፎ:-

ጣልያን ካልኣይ እንትወርር ኣብ ዓዲ ኣቡን/ቡለኮ ሠለሥተ ፎቅ  ዝቅቑመቱ ንላዕሊ “እንዳሊሎ” ዝብሃይ ሃኒፁ እንትገድፍ ኣብ ዓድዋ ይኹን እኽሱም እነ ዝፈልጦ ብእዋኑ ኸምዑ ዝመስለ ህንፃ እይነበረን/እይተሠርሔን፣ ብጀካ እዛ ዝብላ ዘለኹ “እንዳሊሎ” ትባሃል ሠለሥተ ንዓቐብ ኽልተ ንጎድኒ ዓሠርተታት  ክፍልታት ንግድሚ::

ቖልዑ እንተለና ታሕተዋይ ክፍልታት ቤት ትምህርትና ነሩ፣ እትላዕሊ ምድርቤቱ ዝኣረገ ጣውላ ስለተባሃለ ሓደጋ ከይፈጥር  ንመምሄሪ ኣይተፈቀደን፣ ግን ሓንሳዕ ሓንሳዕ ናይ ቖልዑ ነገር ሸሉኽና ደይብና ንጏየየሉ “ኹቱ ኣቦኺ ሞይቱ” ንፃወተሉ ነርና::

እዚ ጎልጎል ሜዳ ምስ ማዓት ክፍሊላቱ  ዓድዋ መዛጋጃ ቤት ብጉቦ ተጨማለቐ  እዙይ ዘይበሃል ሑሱር ዋጋ ሕዚ ብህወት ዘየለዉ ሃብታይ ወዲ ዓድዋ ሸጡሎም  ኣክንዲ ኽንዲ ትምህርትቤት ወይም ሕዝባዊ ኣዳራሽ ዝግበር? መንከ ጉቦ ክቑርጥም ንህዝቢ ምሕልላይ ምሕሳብ ተተጀመረ?

ካሊዕ ድማ “ዲጋዲግ” ንብሎ ቦታ ወሠን ሩባ ማይ ጓጓ  ጣልያን መዘከርታ ሙውታን ጣላያን ዝገደፎ ታሪካዊ ቅርሲ መሬት::ብግምት 80 ካሬ መትር ዝኣክል እብ ማዕኸሉ መስቀል ሓወልቲ ተፀምበሮ  ብጣልያንኛ ቓንቓ “ዓድዋ ዘላዓለ ዘንርስዔኪ ካብ ልብኖ ዘይንፍሕቐኪ ውርደት ጣልያን ኢኪ” ዝብል ተቐረፆ ዙርያመለሽ ስብ ክፍ መበሊ REQUIESCAT/መፀለይ እምነበረድ ተነደቆ ፣ መሬቱ ብተሓግ ሣዕሪ እግዚሐር ዝዓደሎ ዘይደርቕ ዝሸፈኖ፣ ዳሞተራ ዓድዋ መዛጋጃቤት ዘይ ጎቦ ካሊዕ ዘየዕግቦም እዚይ ታሪካዊ ቦታ ንስብ ሃብቲ ሸንሽኖም ንይስመላሕ እዛ እብ ታሕቲ ትርዒዋ ዘለኹም ሓወልቲ መንድቅ እንዳሻሂ ቤት ኾና ኽትቐሪ ገይሮማ::

ሓንቲ ናይ ኣዕምሮ ምድንዛዝ/DEMENTIA ዘጋጠመን ጓል 76 ዓመት ኣብ በይነን ስብ ዘይብለን ኣብ  ዝወደቖዖ ኣራት ኸይዶም ሓገዝ ክንህበክን በፃብዕትኽን ፈርማ ኢሎም ምስ ሓደ ሃምታም ስሙ ክጠቅስ ዘይደለኹ  1000 ካሬ መትር  ብ500 ውዳቅ ቅርሺ ምስ ምሉዕ ባሕሪዛፍ ኣዝማድ ብጋዘጣ ይፈልጡን ከይኣወጁ እንተሹጡ፣ ሹም  ንብረ መሬት ትእንተልውጡ እሞ ዝባኣሰ እብ ግዜ እዋን ባዶ መሬት ብኣዋጅ ዘይሽየጠሉ እዋን ዝተግባር ብቅጥፈት ተፈፂሙ:

እዚ ሃብታም 60 ዝኣክል ክፍሊታት ኣርባዕተ  ፎቅ ሆቴል ሃኒፁ መሬት ድኻ ቤተስብ  እንትዕንድረሉ ናይዘን ሕም ምቲ ሰብኣየን ብደርጊ /ምታደራዊ መንግሥቲ ብዘይገበን ኣብ ማእኸል ራማ ኸተማ ምስ ካልዖት ሸውዓተ ወሲኹ ተረሸኑ ሃገዝ ከክንዲ ምግባር ወሲካ ብፅፍዒት ምውቃዕ ይመስል ናይ ኸተማ መሬተን እንትነጥቁ::

እዙይ ወራ ወረ ከይመስለኩም እተን ድንዝዝቲ ሕም ምትን ሰበይቲ ናይ እዙይ ፀሓፊ ዓዶ ነይረን:: እዙይ ዕኩይ ተግባር ምስተፈፀመ ሹዑ ንሹዑ ሞይተን::

Construction of complex building on the writer’s parent land  photo taken on December 6/12/2016  at ሠውሒ ማይፃዲቅ Market Place of Adwa. The writer reluctantly busted the place to take this picture. A weird feeling not to visit the place after years of childhood excitement to run around under the eucalyptus trees now wanting to avoid the site seeing. The psychology of victimhood syndrome now clocking even generating not only the site but also not wanting to visit the town itself)

ብ1956 ናይ ግዕዝ ኣቓፃፅራ ሓደ ገብሩ ባ*ያ  ዝበሃል  ካብ ሺረ ሻምናይ ሓሊፉ ታሽዓይ ዓድዋ መጀመርያ ምስተጀመረ ክመሃር መፀ፣ ማለት ንሱ ጥራይ እይኮነን ካልዖትውን:ወሲኹ:።

ፀግም ስብ ዘየግብሮ ነገር የለን፣ ስብ በበዓይነቱ ስለዝኾነ። ሓደ የዋህ ሓደ ወዲ ሹቕ ካሊዕ ዕጉስ ….!

እሞ ዝስብ ሜትሮ፣ ማለት ነዊሕ ሜትሮ ካበይ ከምዘምፀዖ እኻ ንምፍላጥ ይጨንቀካ: ግናኸ ዝስብ ነዊሕ ሜትሮ ነይርዎ: ናይባዕሉ።

ቀዳምን ስንበትን ምህሮ ዘየለ እዋን እንዳ ፅዩን ዝበሃል ካብ ማዕኸል ከተማ ዓድዋ ቁርብ ውፅዕ ዝበለ: ንሱን ዓርኩን እንዳፅዩን ኣቐብ ደይቦም ፀው ዝበለ ገዛ/ቦታ መሪፆም ሜትሮዖም መዚዞም በዙይ- በዙይ፣ ጅኦመትራ ፀሃየ ፣ ጅኦመትራ ደቦጭ፣ እንታይዶሰ- እንታይዶ፣ ኢሂን- ምሂን፣ ውፃዕ-ውረድ፣ እናበሉ ዓው ኢሎም ይዛረቡ ክሳዕ እብ ውሽጢ ዘለዋ ኣባይ መሃይም ስበይቲ ድምፂ ስሚዔን ዝወፃ።

“ደቀይ እንታይ ትገብሩ ኣለኹም?” ኢለን እንትጥይቃ፣ ንሕናዶ፣ እንጅነራት ኢና: መንገዲ ንቅይስ ኣለና፣ እሞ ሥራሕና ብመንግሥቲ ፍቃድ መስረት ስለዝኾነ እዛ ገዛኽን ፍርቂ ጎና ፈሪሳ ፅርግያ ኽትኾውን ተወሲና እያ ኢሎም የርድዕወን።

ስበይቲ ርዕሰን ሒዘን የዕውያ: “ኣበይ ክወድቅ እንታይ ክውሕጠኒ ብኽያት ብብኽያ እንትኾና፣

ሓዞ ስደዶ ክባሃል ብጎኒ ሣልሣይ ኣርኪ ዞም ኽልተ ተሓቢዑ ዝፀንሔ ብልቅ ኢሉ ቁርብቱይ ዘለክን ገንዘብ ዝይትቦዖም ይብል ከምኣሸማጋላይ መሲሉ፣ ደሓን ናዓይ እትገንዘብ ሃባኒ ባዕለይ ክውድዖ ይብል::

እዞም ሠለሥተ ገንዘቦ ሒዞም ቀዳምን ስንበትን ስዋ መጨለጢዖ ከምዚ ገሮም ይረክቡ ነበሩ።

እዙይ ሓቂ እዩ።

ፁውፅዋ ከይመስለኩም 1956  ዓ.ም ግዕዝ ኣቓፃፅራ ዝነበሩ ዓድዋ ተመሃሮ ዝዝክርዎ ካባዕለይ ጀሚሩ::

ሞዛጋጃ ቤት ዓድዋ ልዕሊ ላዕለዋል ፍርዲ ቤት ዓድዋ፣ ባዓል ሥልጣን ከምዝኾነ ዓመታት ኣቑፂሩ እዩ። ንማንም ኣይፈርህን፣ ብናም ኣይድፈርን: ሳይንሳዊ/ሞለኮታዊ ከተማ ካርታ ፕላን ቤትማዛጋጃ ዘዛጋጀዎ/ዝነደፎ ብተግባር ይፍፅም፣ ፍርዲ ቤት ፈተወ ኣይፈተወ፣ ሓቁ እዙይ እዩ፣ በቃ ዓርባዕተ ነጥቢ::

እሞ ማዛጋጃ ቤት ዓድዋ ናይ ሓፍሽ ሕዝባዊ መሬት   ሸንሺኑ ምስወደኤ፣ ናይ ድኻታት ርስቲ-መሬት ንሃፉትም ሸሊጉ-ሸላሊጉ ምስወደኤ፣ ሕዚካዓ ዝቀረዩ ሓፁር/መካበብያ  ዘሊሉ ተራዕዩ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ብዕልግና ብዝመልኦ መሬት ምኽታር ጀሚሩ አሎ።

ንኣብነት እብ ባዕሉ ዓድዋ ማዛገጃ ቤት ተቆፂራ ትሠርሕ ወይዘሮ ገዝኣ ፀቢብዋ ኽተግፍሕ  ሃፁር እንዳማታ ዘሊላ ንኽትሠርሕ  ብሃፄ ዬሃንስ ፬ኛ ዝተሠርሔ ዶጎል  ይግብኣ ኢዩ ኽትስፋሕፋሕ ብምባል ወስነ ኣተሓላፉ ኣፍረሰ  (on March 14/2024 just four days ago, when the guardian of the property couldn’t travel from abroad considering the security reasons.

እዙይውን ፅውፅዋይ ከይመስለኩም ከይድንፅወኩም ኢለ እየምበር ኣብ ጭቡጥ ማስረጃ ተደረኸ እዩ: እመኑኒ እንተሓስየ ተጠያቓይ ንኸውን እግደድ::

አነ ዝብሎ ዝፀልማት እዋን: ናይ ህልውናና ዋሕስ ምስተረጋገፀ ፣ ንኹላህና ምስውግሔ ሠላም ምስነገሠ ካ1984 ዓ ም ኽስዕ ሕዚ ግዜ ኣብ ዓድዋ መዛጋጃቤት ተቖፅሮም ዝስርሑ እብዝዕዋን እዚ ካብ ደሞዞም ዝምጥኖ/ዝግድቦ ንላዕሊ ተንቃሳቓሲ ይኽን ዘይንቓሳቀስ ሃብቲ ብርዕሶም/ባዕሎም ወይም ብቤተሰቦም  ዝዋነን ዘሎ ዝተስረቀ ሃብቲ ኽውረስ፣ ንሳቶም ፍርዲ ቀሪቦም ክሲ ተመስሪቱ መቕፃዕቶም ክቕበሉ ሕልናይ ይጥይቅ።

Gebela Degol

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *