ሶሎዳ! (Updated)

News

ሶሎዳ!

ሰላቶን ባንዳ ወዲ ባንዳ
በላዕ መንፀፉ ኽሒዳ
ኸምዕስለ ኽቢቡ ኸሳድዳ
ትግራይ ቦጊሉ ኽቅርድዳ
ኣብ ኽልተ ኽቀዳ
ዘይተሓሰበ ዕዳ
ኽንደይከ ዘይኸበዳ:
ሶሎዳ
ዓረር እንትሥንጥቆ ውሽጢ ኸብዳ:
ናባል እንትፈስስ

ሶሎዳ:
ዓሪዳ
ፍናን ተጎልበበት ጎሚዳ:
ወየንቲ ወሊዳ
ኣሉላ ሓቑፋ ኣብዒዳ::

ኦ ሶሎዳ
እምባዶ ኽብለኪ ዋልታ
ኣዶ ዶ ኽብለኪ ኣባይ ሓፍታ
ሓፍተይ ዶ ኽብለኪ ቁራፅ ማንታ
መሓዛይ ቸኮላታ:
ትኪ ናባል እንትጠይሽ ኣብደረታ
መዳፍዕ እንተጉረምርሙ ብሩምታ
ዘይትሕለል ለይቲ ምስወጋሕታ
ደቃ ንኽትሕልው ካብፀላእታ::

በላይ ኣምበላይ

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *