ሳዓረ ሳዓረ (updated)

News

ሳዓረ ሳዓረ

ኸደ ኸደ እናተወርወረ

የማን ፀጋም ቢሬን ጥይት  እናብረረ

መድፍዕ እንዳሃመመ

መትረየስ እናቆዘመ

ፀለዕቲ ትግራይ እናስደመመ

ኸምድኹዒ እናኾመረ፣

እግሪ እግሮም እናሰበረ፣

እሳት ባርዕ እናጉሰዔ

ኸም ምሸላ እናዓፀደ  እናሰልዔ፣

ገዛዒ መሬት ሓራ ናተቛፃፀረ

ንጉሥ ሰማይ ኣሞራ

ንስኻ እንተለኻ ላዕላይ

መሬት ትግራይ

መን ክደፍራ::

ሓየሎም ሓየሎም ሓየሎም:

ካብ ተሸኸሉዎ፣

ምንዕ ዘየብሎም፣

ምፍጣሮም ፀሊዖም

ሞቶም ተመኒዮም፣

ኣብታ ክወሩ ዝዓረዱላ

ሽንጥሮ ትኹን ሩባሩባ፣ ጉላ

ኾይና መቓብሮም

ደጊምዶ ኽምለሱ ኣዶም።

ተበራበር ኣሞራ

ወጊሑ ወፂዓ ፀሓይ ጩራ

ቐሽ ገብሩ  ቡራኬ ወዲዖም

ምስዓጀቦም፣

ፀሊም ቡን ኽሰትዩ ገዛና መፂዖም

ተስእ ተቐበሎም።

ተላዓል፣

ኣይፋልካን ተላዓል፣

ንመን ደስ ኽተብል

እሰይ እሰይ ምንቀኛ ኽዕልል፣

ኣይፋልካን ተላዓል።

እንታ ዘይተገብረ

ዓለም ዘይተነግረ

ስብ ኣይትብሎ ሼጣን ብፅልዒ ዝዓወረ

እንተኾለስካ እንዳጣዓሞ ዕረ

እንተፅለልካ እንዳማረረ

መን ሓሰቦ ኣብገዛ ዝዓመረ

ኸምዝደረቐ ቋንጣ ኽድርበ ሓዊ ከምዝሓረረ።

ሳዓረ ሳዓረ፣

ቢሒውት ተሎ ሳዓረ

ምስ ሞተ ሳዓረ

ቆቛሕ

ዘይብል ጠምሻሕ

ከም ኣሞራ እናበረረ

ነጋር ጥዑም ወረ።

  

በላይ ኣምበላይ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *