ዝብዒ ሶሎዳ ግምጃ ወረደ ከወራርድ ዕዳ!

News

ዝብዒ ሶሎዳ
ግምጃ ወረደ ከወራርድ ዕዳ!

ዝብዒ ኸምኣመሉ ፅልምትምት ምስበለ ናብታዝፈልጣ እንኮ ምሕራድ ሥጋ እናነቀወ ወረ ካብ እግሪ ሶሎዳ ሽንጥሮ።

ድሕሪ ሃተምተም እንዳታየ ገፅ ጀርዲን እንተዳህሰሰ ብጀካ ቆፅሊ መፅሊ ጥር ትብል ዓፅሚ ጣፍያ፣ ንማይ ጓጓ ገፅ እንተወረደ ብጀካ ሸታሕታሕ ጭቃን ሳባ ዋላ ሓንቲ ደም ጨና፣ ንዲጋድግ እንተምረሔ፣ ካብቲ ሓደ ናብቲ ሓደ እንተተወጠሔ፣ ኣፉ ኸፋቱ ቀይሕ ነገር ሥጋመሲልዎ እንተቆርጠመ ስኒ ዝሠብር ጡብ፣ ዓኽ ኢሉ ምስተፍዖ፣ ሽንፍላ መሲልዎ ካሊዕ እንተኾለስ ብሎኬት፣ ዋዕ እንታይ ድዩ ነገሩ ኢሉ በፍንጭዑ ካሊዕ እንተደፍዐ ቆርቆሮ አፍንጭዩ ዝሓረዶ ። እዛ ምሕራድ ሥጋ እንታይተኣምር ወሪድዋ ብዕራይዶ ናብ እምኒዶ ተለዊጡ። እንታይ መዓት ወሪዱ ጎልጎል ሜዳ ምሕራድ ሥጋ ዝነበረ መንድቅ ብመንድቅ ተለዊጡ። እንታይ ኽበልዑ እዮም ሥጋ ተገዲፉ? ኣክንዲ ሸኾና፣ ጣፍያ፣ ማዓንጣ፣ ሳንባን፣ ቀርኒ ስሚንቶን እምኒብእምኒ ተለዊጣ እግዚሔርዶ ተፃሊዑኒ፣ተቅይሙኒ ኢሉ እናማረረ ።
በሉ ቆልዓ ሰበይቲ ንበልዖ የብልናን ንኺድ ንሰደድ ዓዲ ስብ በሎም።

ተስዲዱ ኣየምውት ኣየሕይው ናብራ ነዊሕ እዋን ምስእሕለ ሓደ ለይቲ እንጉይ እንጉይ እናበለ ክም ኣመሉ ዓፅሚ ወዲ ዓፅሚ ክኣራርይ ላለይ በላ/Lalibela ምስወረደ ሓደሽቲ ዘይንሕና መን ዝብሉ ሹደናት ኣዛብእ ድምፁ ምሰምዑ ትግርኛ ዝንቁይ ዝብዒ ካበይ ዝመፀ ኢሎም ክሃድንዎ ጀመሩ።።

ደቀይ ሞት ንሞቱ ንዓድና ና ብታ ዒግሪ ሶሎዳ ሺንጥሮና ንኺድ በሎም። ኽይድ ዊዒሎም ኽይድ ሓዲሮም ድሒሪ ስሙናት እብታ ሺንጥሮ ምስ በፅሑ፣ ኸምት ምሕራድ ሥጋ ሃሰስ እንተበሉ እንተደለዩ ወይከ ሠፈር ዝብዒ። ቅድሚሕዚ ምሕራድ ሥጋ ተሠዊሩ ሕዚካ ሺንጥሮ ዝብዒ እንታይ ጉዱ በሉ?

ላዕሊን ታሕትን እንትብሉ ሓንቲ ስበይቲ ይረኽቡ። ኣንቲ ስብዶ ዝብዒ እሎም ይጥይቅዋ። ዋ! ስብ እባ ትብሎም። ዝብዒ፣ እንታይ ዳኣ ሠፈር ዝብዒ ትነብሪ ገዛ ፎቅ ሠሪሕኺ? ኣብ ጡብ ደረተይን፣ እብሙሑኽልተይ ዝነበረ ፀጋ ሃብትይ ገቢረ፣ ብተወሳኪ ኣብ ማዛጋጃ ቤት ብሕሳር ዋጋ ምስኣገልገልኩ መካሓሲ እዚዓ መሬት ሂቦምኒ፣ እንሆ ገዛ ኣጣይሸ ይነብር በለቶ ንዝብዒ። ኪድ ንማዕኸል ከተማ ዓድዋ ውረድ፣ኸምቲ ኣነ ዝወኸፍዮ ግበር ቁሸት ንኽህብኻ መሊሳ በለቶ።

ቅድሚ እዚ እዕፅምቲ ዘኣርየሉ ዝነበረ ጎልጎል ምሕራድ ሥጋ ሸይጦም ሸያይጦም ጥምየት ቀቲሉኒ ዓዲ ጓና ኽስደድ ገበሩኒ። ሕዚኻ እዛ መረበተይ ሽንጥሮ ነዓኺ ንወይዘሮ ሰብዶ ይብሊኺ ዝብዒ፣ ግድማግድሚ ትኸዲ ዝብዒ ግዛ ትምነይ?

ተውሳኸይ ዝብዒ ሓይለይ ኣብ ምንጋጋይን ገያፅ ስነይ፣ ጡብ ደረት ይኹን ዝደልይዎ ዝቅልፅ ሙሕኽልቲ፣ ዘይብልይ፣ ማዛጋጃ ቤትዶ በልክዮ መጋረጃ ፅሕፈት ቤት መን ኣቅሓ ይብለኒ፣ እንታይ ክዓይ ይቆፅሩኒ፣ ባዕልቶም ሰብ ዝመስሉ ሓራግፅ።

ከምዘወረደኒ መዓት መሊስ ዳኣ ኽእልሽ ዝስደዶ ሃገር ከምኣመለይ እንዳተገረፍኩ ክነብር።

እቲ ፀገም ዛዓዲ ዙርያ ምላሽ ተኸቢባ ወእተዊ መውፂዒ ዘይብላ ምኻኑ በቨይ ከምዝሸሉኽ ይፅግመኒ በለ ዝብዒ።
ኽምስል ኻዓ:
“ዝብዒ ሶሎዳ
እንታይመፀካ እዳ
ማዛጋጃ ቤትዶ ማጋረጃ
ሓጃ ባጃ
ናትካ ጉድስ ምዕልቦ
ዘይርከቦ
ዓዲ ዘይብልካ ጎቦ
ኣልቦ”

በላይ ኣምበላይ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *