ፅንዓት ነዊሕ ጉዕዞ: Long Lane!

News

ፅንዓት ነዊሕ ጉዕዞ: Long Lane!

እንተበላዕኹ ይሓንቐኒ
እንተሰተይኩ የምልሰኒ
እንተምባሃቑ ይስርንቐኒ
ተስትንፈስኩ ዓቕለይ ይፀበኒ።

እንተነበርኩ የጉህየኒ
እንተሳሓቑ ይሕርሕረኒ
እንተበኸይኩ ይፎኽሰኒ
እንተሞትኩ ኣእንታይ ኸውሕጠኒ
ኣይፈልጥን ሥጋኻ ዓርከኒ።

እንታይ እዩ ዝሕማቅ ጂኒ
ነዓይ ዝሓዘኒ።

ጠጠው እንተበልኩ ይደኽመኒ
ከፍ እንተበልኩ ይርብርበኒ
እንተተጋደምኩ ድቓስዶ ዘይወስደኒ።
እንታይ እዩ ዝሕማቅ ጂኒ
ነዓይ ዘሓዘኒ?

ሓንቲ ንሓንቲ መፍትሒ ትቀርየኒ።

እንታይ ኣምፀዖ ዝኹሉ ተበልካኒ
ኣብለልቲ ኣምሓሩ ስብኣዊነተይ
ደምሲሶም
ግልብጥብጥ ዝበለ ስብ መስል
ኣብከርሰይ ምንጋሶም
ብዕዋኑ ገስጊሶም።

እሞ ሕዚ ወሲነ
ኹሉ ነገር ራሕሪሔ
ክሳዕ ርቡር ጌራ ትኸደለይ
እዛ ነብሲ ካብ ማዕገረይ
ብሓንደበት ትወርደለይ፣

ስነይ ነኺስ እትሪረ
መዓንጣይ ገቲረ
ሺንጠይ ጎንጊነ
መወዳዕታ ዘይብሉ
መንገዲ ሕራነ
ክጓዓዝ ጨኪነ

እኽሊ ኣይኮንን ማይ
ጠጠው ኣይክነን ምብራይ
ምስሓቕ ኣይኮነን ምብካይ
እምቢ ኣይኮነን ሕራይ
መድሓኒት ሕማመይ
መድሓኒት ፀገመይ
ጉዕዞ ስብ ዘይረገፆ፣ ዘይማሃዞ
ፍዋሶቅቖ ርዕሰይ ዘደንዘዞ።

ትኽይድ ትኸይድ –
ትኸይድ ትኸይድ፣
እወ፣ ትኸድ፣ትስድር
ትውዕል፣ ትሓድር
ናይ ዓለም ነገር
ኹሉ ረሲዔ –
እርግፍግፍ እሩይ ቑፅር
ብዘየሽግር።

ክረኽቦ ድልየተይ –
ዝጠፍአ–
ዝምነዮ መንነተይ፣
ዝናፍቖም ሓው፣ ሓፍተይ፣
ኣርከይ መተዓቢተይ፣
ዝዓነወ ጎጆይ።

እንትጓዓዝ፣ እንትጓዓዝ
ኣብ ሞጉዑ ሒወት እንተበልት ቐዘዝ፣
ሸተት እንተበለት ሸተት፣
እንተፀዋዓ ሞት፣
ዘይሕርሕር ሳሓቕ
ዘየሑጉ ብኽያት
ዘየምልስ ማይ ስትያት
ዘየሓንቅ እንግላት
ዘየድክም ድቃስ
ተጎልቢቤ መሰስ።

ምዕራፍ ስቓይ ይድምሰስ
ነገር ናብ ጉቡዑ ይምለስ።

በላይ ኣምበላይ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *