ክሓልፍ እዩ ዘበን ክዝክሮ!
ዘይደየብናዮ ጎቦ
ዘይወረድናዮ ሽንጥሮ
ዘይንሾልኮ መንቀርቅሮ
ንብረቱ ዘይተበርበሮ
ሹቶል ዘይተወርወሮ
መሬት ትግራይ የለን ንሕብሮ።
በደል መጥቃዕቲ ስብ ዘይፀሮ
ጥምየት ሕማም ተካን ኑሮ
ኣንኮበር ሸዋ እንታይ ዘይገበሮ
ሕሊናና ክሰብሮ
ንስ ንሳትና ኽንካታኾት ብጭጓሮ
ንሱ እንዳደለቐ ዓምሓም ኸበሮ
ኣህባይን ወዓግን ተዋዲኦም ኣብዝባን ዳዕሮ
መቐመጭኦም ክሳዕ ዝመስል ሓረሮ፣
ግብዛት ብሰሮ።
ኣምላኽ ርእሱ እንትዞሮ
ትግራዋይ ኢልካዶ ስብ ፈጠሮ
እናበለ ክዕንድር ጭንጋሮ።
ቑማል ዝዓሰሎም
ስብ ዝመስሉ እንትኸዱ ብእግሮም
ዞም ትግሩ ደንቆሮ
ትሸካምቲ ዕትሮ
ንሱውን ትኸብሮም።
ወግሔ ፀብሔ
እንተናሽውና
እናተረገፅና
ጠቐር ተኸድና
ዘይንስና መሲልና
ርእስና ኣድኒና
ንዝጊ ይጥዓሞ ኢልና
ኣዕማይት ዓመታት ኣሕለፍና
ሓደ ማዓልቲ ብርሃን እናተመነይና
ካብዞም ነብሰ በላ
እንተተጋላገልና
ኣስተንግሮ
ናይ ተስፋሕፋሕቲ ኣእምሮ
ብዘይካ ንኸርሶም ወከኳ ዘይሓስቡ ሽንጣሮ
ህዝበ ዓዳም ክፈልጦ ዘለዎ ክማሃሮ።
ግድየለን
ዘይሓልፍ የለን
እዚ ዕንክሊል ኑሮ
ክሓልፍ እዩ ዘበን ክዝክሮ
እኳ ደኣ ሓቂ ዝመረሮ ክንጥብሮ
ምዕንቲ ጎድኒ ንጎድኒ ክንጓዓዝ፣ ማዕሮ ንሞዕሮ
ክንኩዕት ጉድጓድ ፀላኢና ዝቅበሮ።
በላይ ኣምበላይ