ሲኦል ድሕሪ ኽንደይ

Poems

(ብተመስገን ኸበደ) –

ድሕሪ ኽንደይ ሲኦል ድሕሪ ኽንደይ ጏሕሪ
ኤርትርያ እዙይዶ ትሓሪ!

ኽንደይ ሕዝቢ ኸምዘይፈለሰ:
ኽንደይ ዐጽሚ ኸምዘይተደቆሰ:
ኽንደይ ኣካል ኸምዘይ ተደርመሰ:
ኽንደይ ደም ኸምዘይ ተኸስከስ:
ኸክንዲ ንብዓት ኸም ውሕጅ ኸምዘይፈስስ:
ድሕሪ ኽንደይ ውጽፃእ ውረድ ህልኽ ዘጨረስ:

ንኽትደግሞ ዘስኻሕኽሕ:
ንኽትስምኦ እዝንኻ ዝኹርኩሕ:
ኤርትርያ ዝሓለፈቶ መዳራጉሕ::

ዝኹሉ በደል: ዝኹሉ መግረፍቲ:
ዝኹሉ ደም : ዝኹሉ መስዋእቲ:
ዝተኸፈሎ ምሥረታ መንግሥቲ:
ዝጠመዮ ኽዕንግል:
ዝፀምኦ ማይ ኸስቲ::

ኽሕጎስ ኽፃወት ኽዝቲ:
ኽስርሕ ኸጥሪት ሃብቲ:
ኽወፅእ ኻብ ጽፀልማት ባዕቲ:
አብ እግሪ ዝአቲ
ስንሰለት በጢሱ
ካርቼለ ድጏና አፍሪሱ
ናይሲኦል ዋርድያ ጢሒሱ
መሰል ሰብ ምስማዕርነት ወዱሱ
ሓርነት ለቢሱ
መንገዲ ህንዲሱ
ኤርትርያዊ አንጊሱ
ምዕባለ ቀይሱ
ኺዒሉ ንኸርሱ
ኽነብር ኽንዱ ተተርኢሱ
ኽብሪ ሓርነት ሞጊሱ
ንኻልኦት ይኹን ንዓርሱ::
ምስቆልዑ ሓዳራን/ሩን ተሓጊሳ/ሱ:
አጋንንት ለይቲ አትዮም ገዛ ዘፍርሱ
ብሕጊ ቀይዲ ምስተዓገሱ:
አዲ አቦ ይብላ
ኤርትርያ ገዝዑ
ብዕሊ አርጊፁ::

ዝኹሉ ተረሲዑ:
ስፍ ዘይብል በድል ዘንጊዑ:
ብኢሳያስ ዝቁራፅ ሸጣን ተገዚዑ:
ኤርትርያውያን ኻልአይ ነብዑ::

ኸክንዲ ማይን ጣይታ:
ጥሜትን መደራዕታ::

ኸክንዲ ኽብሪ ሃገር ሽፋን
ስደትን ዕርባን::

ኽንዲ ምሥራህን ምዕባልን:
ስርቅን ኽትራን::

ኽንድሠላም
አምባጋሮ ጦርን ምትላም::

ኽንዲ ኽብሪ:
ሰደት ልማኖ ሽገር ባሕሪ::

ዓገብ
አብ ክፋዕ ግዜ ዝሓገዝ ስብ
ኸምፀላዒ እትድብደብ::

ነውሪ ነውሪ እዪ ነውሪ:
ኤርትርያዶ ዙይ ተሓሪ:
ድሕሪ
ኽንደይ ሲኦል:
ድሕሪ
ኽንደይ ጏሕሪ::

 

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *