ትግራ አላ እድመ ብዙሓት አሉላ!

Poems

(ብበላይ አምበላይ) –

ኽፍክር አይደለኩን
ፈኪረ እውን አይፈልጥን
እንካንዶብዘይተገብረ
ቦሎኽሎኽ ኸምዘሓረረ
ጥረ
ብዝተገበረ
ቅያ ዓለም ዘመስከረ
አይፈልጥን ፈኪረ::

ይመስክር ውግዕ ዝዋዓለ:
ምሳይ ዝነበረ
እንትካሻሕ
ጠምሻሕሻሕ
እንትንዋደቅ
እንትንትስዕ
ቃላይ ድም እንትንሕምስ
ፀላዒ እንትድምስስ

ፀላዕኢ ደም እንትጎስዕ
አብዘይ ፋሓስናዮ
ውግዕ
አብዘይ ደለናዮ
ሕልኮ
አቲና እንትንወድቅ
እንትንትስዕ

እንትዝክር እንተስታውስ
ሓረስታይ አሉላ መንዕስይ
አርዕቱ ደርብዩ እንትግስግስ

ሃለዋቱ
ኸ ኽብር ኸቲቱ
አውዲ ኹናት እንተአቱ
አርእዬም መንንነቱ
ጅግና መፈጠርቱ::

ሓዞ ስደዶ:
አካኪ ፈኸራ:
ዘይብሉ ደሞ! ደሞ!
ብግብሪ ደርዕሞ:
ስጉዶ:
ካልዓይ ኸይለምዶ::

በልካዶ
ኻልዓይ ኸይለምዶ!

ናይቀደም ኸይአክል
ናይዚ ገደደ:
ኸይፀመደ አንጎደ!
ኽልተ ሽያጥን ማናቱ
ርእሶም ዝሳሓቱ
ዚዕጉ መሪቱ:
ብስብ ደም ዝገበቱ:
እዙይ ኽትብሎ
ብዘይፍለጥ ብልሓቱ
ዘትዮም ትግራይ ንኽዘምቱ
ዘሎን ዘየሎን አፅዋር ኸተቱ
መሲልዎም አሉላ ባነጋ ዝሞቱ::
ሞት መዓዝ ይቀርቦ አሉላ አባነጋ
ወዲ ቆላ ደጋ:
ቢልየን ዓይኒ
ዘይሺየጥ
ዘይግዛዕ ብዋጋ እዳጋ::

ወይዘይፈለጡ
አማዒት አለውዋ ትግራይ ዝዋደቁ
ጥበብ አሉላ ዝስነቁ
ጋሻ ዣግርዑ ተዓጠቁ:
ካብ ፀላዒ እጥቂ
መንዚዖም ዝነጥቁ

 

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *