ድሕር እንተበልካ እንታይ ይመስለካ?

Poems

(ብተመስገን ከበደ) – 

ዘመናት አቁጺርና
ኻቭ አቀም ንላዕሊ ፀቕጢ በዝሒና
መውፂኢ ሲኢና
ንቁልቁል ጥሒልና:

ዝሞተ ሞይቱ ዝቀረይና
ዘይንስና መሲልና
ስደት ዓዲ ጋና
ትረግፁና ተጨማልቁና
አሜን እናበልና
በደልን ግፍዒ ተፃዊርና
ትነብር ረጊእና:

ኸምዘይተጎዳእና
ኸምዘይተዋረድና
አብ ኸብዲ ቃፂርና
ደሰ ኸይብሎም ፀላእትና
እረ እናጣዓመ
ኽምስ እናበልና
ግዜ ዘምፀኦ ግዜ ኽወስዶ
እናተፀበይና
ጫፍ ገደል ምስበፃሕና
ምርጫ አልቦ
ብረት ምስዓጠቅና:

እንትንዕወት
ድሕሪ ኽንደይ ዓመት
ደቂስብ ምኻና
ምስኣመስከርና:

ብደምና ዝጠልቀዩ
ፀላእቲ እንትንምሕር ዝርዪ
ምእማን አብይዎ እናበኸዩ
ስብዶ መላእኽት ነብዩ
እናበሉ
እንትምሕሉ
እንትጥሕሉ:

መሲሉና
ድሕሪ ኺናት ዝመረረ
ብደም ዝሰኸረ
ርእየተ ዓለሙ ተቀየረ::

ለካስ ኢሉ
ወትሪ ኢሉ
ይጽበይ ኽሳዕ ዝወግሓሉ
ኽጫድር ኸም አመሉ:

ይሄው ሰላም ምስነገሠ
ሰብ ምስደቀሠ
መጽኦም ኽሓዱኻ
ዲያብሎስ ጎራብትኻ:
እዙይ እናፈለጥካ:

ሕዝስ ድሕር እንተበልካ
እንታይ ይመስለካ?

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *