እምሓራ ሊህቃን: መብራቲ ደቂ ሕድርትና! (1 ካብ 3 ኽፋል)

News

ኣብ ጎቦ ሰብ ዘይድይቦ ፀልማት ለይቲ ብልጭ ህልም ዝብል እሞ ገፅካ ዘወር ኣቢልካ እንት ትምለስ እዙይ ብልጭ ህልም ዝብል ሓዊ ተፋሒኹ ኣብ ካሊእ እንትውላዕ እንትዋይ ዘዓብደ ሰብ ምስኣራዊት ይነብር ትብል: ለካስ ሰብ ዘይኮነስ ደቂ ሕድርትና እየን ስርሄን ዝምንና ኢሎም ዓቢቲ ይነጉርና::

ፈላጣት ግና ኸምዑ ኣይኮን ይብሉ: እዚ ሓዊ ናይ ሓቂ እንተይኮነስ ናይምእዕሻው ሓዊ መስ መስ ዝብል ተፈጥራዊ ብርቕሪቅ እዩ ይብሉ:
እሞ ናይ ኣምሓራ ሊህቃን ከምዙይ ብርቕሪቅ ሓዊ ሕዚ ትርኦም ክሕስው ዘወር እንተይ በልካ ፈንተት ኢሎም ትሪኦም ኽምሕሉ እንትጥሕሉ::

ወላጋ ወሎ ራይይ ወልቃይት ፀገዴ ሊሞሊሞ ጎጃም ሸዋ ሃረር መተከል ቤንሻንጉል: ኾታስ ፀውዕ ዝኾነ ሃገር እንታይ የሕፍሮም ናህና እዩ ማለት: ዝብእስያ ኣብዘይፈልጥዎ ኣዲ ኸይዱ ቆርበት ኣንፅፉለይ በለ:

ኣምሓሩ ብዘይካ እብ ንዑሸተይ ጉሸጥ ኣንኮበር ትባሃል ንሳውን ህንቂል ህንቂሊተይ ከይትኸውን የፍርሕ እንካንዶ ወሎ ኸምዑውን ተንካልኦት ዓዲ ኣቦና ኽቡሉ

እንታይሞ ይግበር እንታይሞ! ካብያ ጣፍ ዝሃቦ ኣፍ ዝሃቦ ይብሉ ኣቦ

ኸምዚ ብልጭልጭ ዝብል ደቂ ሕድርትና ሓዊ ዝመስል ብነዳ ድ መሬት ዘድዊ ዘይሃለወ ኣለኹ ዘይኣንደደ ዘንድድ ኣምሓሩ እብኹሉ መሬት እንዳማቱ ኣለኹ እናበለ ዝእንድር ገባቲ ጎንደራ ኾይኑ ይነብር

በትረ ሥልጣን ሳላ ፀዓዱ ዓለም ኻውያን ረጊፆም ሒዞም ምስፍሕፋሕ ምስጀመሩ ኹሉ ዝረኣይዎ ልሙዕ መሬት ተቆፁሮም ንጥቅሚ ነብሶም ዝሸጡ ምስለንዬታት ወኪሎም ሃገር ስለተመሓዳደረት ኣምሓራ ወይም ኣዲ ኣምሓራ ኾይና ማለት ኣይኾነን;;
እዙይ ሓቂ ጠፊዑ ማለት ኣይኾነን:
ካልኦት ሊሕቃን እዙ ዝፈልጡ ቅድም እሉ ጠፊኦም ኣይነበሩን ማለት ኣይኾነን: ብርግፂ ጊዜ እናነውሄ እትኸይድ እቶም ፈላጣት እናጠፍዑ እቲሓቂ ኸምዑን እናሐሰሰን እናጠፍኤን ይኸይድ ነይሩ እነሆ እብዚቀውጢ እዋን ተደሪኽና ንነብር ንርከብ:

እቶም ዝፈልጡ ሊሒቃን መፅሓፍ ሰንዱልና ዝፃሓፍናዬ ዓለም የንብቦ ኸይብሉ መሓውር ናይመንግሥቲ ተቓፀሩ ኣምሓሩ ኸምዘይፈቅዱ እናፈለጡ ንዘይኸውን ነገር ኣፎም ምኽፋት ሓደጋ እምበር ትርፊ ዘይብሉ ኸምዝኾነ ብምርዳዕ ኣፎም ዓፂዬም ፍልጠቶም ኣብርሶም ተ ተኢሶም ዓለም ይስናበቱ:: ኣርባዒተ ነጢቢ! እዙይ እዩ ንሸውዓተ (700) ዓመት ዝኾነ ኣብ ኢትዮጵያ ዘመነ ዕግርግር ታሕዋኽ ምዕባለ ኣልቦ ትርፊ ደም ምፍሳስ ኣኽሱም በል ኣገው ሥልጣኔ ኣክንዲ ምኽታል: 1275 ይኹኖ ኣምላኽ ካብ ኹሸት ኣንኮበር ተወሰኑ ኣልየት ኣምሓራ:

ኣብዛ ፅሕፍቲ ካብ 1700-1974 እንተትኩር ኣዚ እዋን መረሕቲ ዓዲ ዝነበሩ ወይ ኦሮሞ ወይ ፍርቂ ጎኖም ኦሮሞ ዝውትሓዱ ኻዓ ኣገው ሠለኽተ ተጋሩ እበር ኣምሓራይ ዝባሃል መራሒ እይነበረን:: ገዘእቲ ነይርና እናበሉ ዝፍኩሩ ሕንቅልሕንቅሊተይ እዩ::

እንድሕር መረሕቲ ኣምሓሩ ዘይነበሩ እቶም ናይካል ወገን ብዘይ ናቶም ዘይኮነ ህዝቢ ኣሜን እርሉ ዝኽተል ሠራዊት ኣጥርዮም ጦር ተዋጊኦም ኣሽኒፎም ዓዲ ኽቖፃፀሩ ኣይምኻእሉን ነይሮም: ስለዙይ መብዛሕቱ ወሎ ወለጋ ሸዋ ጎጃም ቤገምድር መተከል ቤንሻንጉል ጉምዝ ዓዲኦሮሞ ኣገው ቅማንት ሸናሻ ፈላሻ ኣፋር እዩ/ነይሩውን::
ነዙይ መርትዖ ንጀምር

ንግሥት መነን ሊበን ኣመዴ ንንጉሥ ኣሉላ ኣሊ ተመርዒየን ራስ ኣሊ ኻልኣይ ወሊደን: ንራስ ኣሊ ኻልኣይ ኣባ ሰሩ ጏንጉል ዘቢሀረ የጁ ኣቦ ሓጉዑ ነይሮም: 1778 ዓም ሞይቶም::

ኣባ ሰሩ ጏንጉል ዘቢሀረ የጁ ኸዓ ካብ ኣባ ጌትየ ዉልደወለዶም ካብ ሸኽ ኡምር ንትኸውን: ንወዘሮ ገሊቡ ተመርዕዮም ነይርም: ወይዘሮ ገሊቡጏል ራእሲ ፋሪስ ዘብሄረ ላስታ ነረን:

ኣባ ሰሩ ጏንጉል ቡዙሕት ውላድ ነይሩሞም: ነኣብነት ደጃዝማች ወሌ ደጃዝማች ኮርሚን ወይዘሮ ኣስቴር : ካብ ወ/ሮ ገሊቡ ኸዓ ራስ ኣሊ ቀዳማይ ራስ ኣሊጋ ወይዘሮ ከፈይ::

ብ 1819 ራስ ኣሊ ኣሉላ ተወሊዱ ኣቡዑ ራስ ኣሉላ ዘብሀረ የጁ ኦሮሞ እትኾኑ ራስ ኣሊ ቆልዓ እንተለው እዮም ሞይቶም

ድሕሪ ሞት ራስ ኣሉላ መንበረ ሥልጣን የጁ ብራስ ይማም ኣኮ ራስ ኣሊ ዳግማይ እንትኾኑ ብታሕሳስ 1825 ንኃይለማራም ገብሬ እብዋልድባ ኺናት ሳዓሩ
ድሕሪ ትኺናት ሹምሽር ኣካይዶም ንጉሥ ባእደ ማርያም ኣውሪዶም ን ጊጋር ንጉሥ ገይሮም እንትሾሙ:

ዳሓር ነገር ሽፍታ ውቤ ሃይለማርያም ምስ ራስ ይማ ም ሸሪኹ ንጎሹ ቡሩን ማሩ ኣብ ውግዕ ኮሶበር ብ1827 ገጢሞ ም ማሩ እንትቅተል ጎሹ ንጎጃም ሓዲሙ ነብሱ ኣድሓነ:

ብ1828 ይማ ም እንትሞውት እንዳየሱስ እትቅበር ድሕርዑ ዶሪን ሞርየን ንሥልጣን ተናሓንሔቲ በጌምድር ምስ ስባጋድስ ኣብ ማይ ኢስላም እትዋግዑ ውቤ ተሓዊስዎም ነይሩ: ምንምእንካ ጋል ስባጋድስ ወይዘሮ ድንቅነሽ ይወርኤው ኸምዑውን ስባጋድስ ንውቤ ጋል ኣቢዑ የውብዳር ተመርዒዩ የሺመቤት ይውለድ:
ብጡልን ምርሶን የውብዳር ብመጥቃዕቲ ውቤ ኣዶም ሓዲጎም ናብ ትግራይ ሓዲሞ ም እቁባ ስባጋድስ ረኺቦም እትቅመጡ
ድሕሪ ስባጋድስ ንማርየን ዶሪ ምስኣሸነፈ መርሶ ብድጋፍ ስባጋድስ ሹም ቤጌምድር ኾይኑ ተሾመ:

ምንምዳ ኣ ማርየ ይቀተል እምበር ውቤን ዶሩን ውቤ ክኻልኣይ ዙር ጦር ኸፊቶም ስባጋድስ እንትማረኸ እሞ እትስቀል ወዱ ኣብጦር መዳ እንትዋደቅ ኸሎ እንትስዋዕ

ትግራይ ኣብ ኢድ ውቤ ወዲቃ መጥቃዕቲ ዝርፍያን በፂሕዋ

እዚ ኹሉ ዝኸውን ዝነበረ ኢትዩጵያ ማለት ኣብ ኢድ ይመር ማርየ ዶሩ ኣልየ ኦሮሞ ምንባራ ንኸረጋ ግፅ እየ
ምንምደኣ ሂርት ጉግሳ ስብኣያ ሃይለማርያም ገብሬ ይንበር ንሳ ሓፍቲ ይመር ዶሩ ማርየን ኦርሞ እያ ስለዙይ ደቃ መርሶ ቡጡል የውብዳር እውን ፍርቂ ጎኖም ኦሮሞ እዮም

ብ1831 ወዳ ኣሊ ኻልዐይ ወዲ 12 ዓመት ስለዝነበረ ንሳ እንደራስሕ ተሸማ ተመሓዳ ድር ነበረት

ግንኸእመቤት መነን ኣመዴ ኣብላሊትን ገባቲቲን ስለዝነበረት ወልዴ ተኸሌ ምስለኔ ዘመድን ራዕሲ ኽንፍ ንሶም ምስሞቱ ቸንቲ በር ብ1839 ገጢማ ምስኣሸነፈቶ ጎጃም ተቓፃፀረቶ

ብ1840 ንጉሥ ሳህለድንግል ኣውሪዳ ስብኣያ ንጉሥ የሃንስ ሸሞቶም
የሃንስ ኣምሓራይ ስለዝነበሩ ወዲ ድሙ ኣይገድፍ ግብረ ዕሙ ኸምዝበሃል ኣክንዲ ወዲስበይቶም ራስ ኣሊ ሹም በጌምድር ዝገብሩ ንውቤ ሓረዩ: በዚ ግብሮም ዝኾረት መነንን ወዳን ተዋዲዶምየሃንስ ነፂጎም ስብለድንግል ንጉሥ ገበሩ

በዙይ ዝመፀ ምፍሕፋሕ ውቤምስ ቡሩ ጎሹ እሊ ምስ ወዲ ሓው ኣቡዑ ቡሩ ኣሊጋን መርሶ ፍርቂ ሓውውቤ ተውዲዶም ጥሪ 7 1847 ተዋጊኦም ኣሊ ኣሸነፉ
ግናኸ ኣሊ ዳዐ የሸንፍ እምበር ኦሮሞን ኣስላማይን ብምንባሩ ነቲ ዝሸሞ ንጉሥ ሳህለሥላስሴ ኣእታኦርተዶክስ ቤተ ክርስትያን ንኽትቅበሎ ፍቃደንኛ ኣይነበረትን

ስለዝኾ ራስ ኣሊ ኣብ ሚተራ ጥቃ ጣና ዝርከብ ቁም እስር ዝነበረ ገብረክርስቶስ ኣፍትሑ ንጉሥ ክኸውን ገበረ:: ኾይኑ ግን ናይዕድል ኾይኑ ምስተሾመ እብ ሠለሥተ ዉርሑ ገብረክርስቶስ ሞተ

ነገሥታት ናይኢትዩጵያ ናይ ጦር እዘዚዝቲ ብይን መፃወቲ ይመስሉ ነይሮ: እቶም ጦር ኣዘዝቲ ኸምድላዮም የሽከርክርዎም ነይሮም እንተፈተው የድይብዎም እንትፀልኡ የውርድ ዎም

ብ1846 ካሣሃይሉ ናይበሓቂ ስም ግና ክሳ ወልደገርጊ ንመነን ሊበን ኣብ ኺናት ደንብያ ኸሽንፋ እንቶሎ ንኻልይ ጊዜ ኻዓ ወዳ ራሲ ኣሊ ኣብዘይነበረሉ እዋን ብምኽንያት ንጎጃም ምስ ራስ ብሩ ጎሹ ኸይዱ እንተሎ ኽዋጋዕ ካሣ ወልደገርግ ብ 18 ስኔ 864 እ ኢዮሃ እሸኒፍዋ: መነን ን ንጉሥ የሃንስን ተማሪኾም እንትእስሩ
ድሕሪ ሰለሥተ ወርሒ ካሣ ምስ ራስ ኣሊ ዘተ አርቂን ኣካዱ መነንን ንጉሥ ንኽፍትሑ ራስ ኣሊ ንካሣ ሙሉዕ መዓርግ ደጃዝማችነት ግዝኣት ደንብያ ንካሣ ኸርክብ ተስማምዑ:
ድሕሪ ሠለሥተ ዓመት ስም ምዕነት ግና እቲ ዝምድናን እርቅን ሓርፊፍ ዋላካ ጋል ኢሊ ተዋበች ይመርኦ ሴነ 29 1853 ካሣ ንራስ ኣሊ ኸምዘይላዓል ደምሽቁ ኣሸኒፍዎ: ዋላካ ንዓዳል ገፅ ይህደም ዳኣብምብር ብድሕርኡ ኣበይ ኸምዝኣተወ እንታይ ይውሓጦ ዝፍለጥ ነገር የለን ካብ ታሪኽ ገፅ ጠፊኡ

ቀፂሉ ብ1855 ካሥ ንውቤ ኣጠቅጠቅ ኣቢሉ ምስ ኣሸነፎ ንስን ወድን ኣብ እስር ቤት ኽሳዕ ዝዋቱ ኣበስቢስዎም
ዋላካ ስበይቲ ካሥ ጥርወርቅ ጋል ውቤ ትንበር ምሕረት ኣይገበረሉን ኸም ራስ ኣሊ ጋሉ ተዋበች ኣሊ ኣቦዓ ካብ በትሪ ካሣ ኣይኣድሔኦምን
ቀፅሉ ካሣ ሠራዊት ሃይለሞለኮት ናይ ሃፄ ሚንልክ ኣቦ ኣሸኒፊ ሚኒልክ ማሪኹ ቁም እስር እንትገብሮ
ማንም ሃይሊ ዘፍርሆ እብ ጎጃም ሸው በጌምድር ስለዘይቁረየ ንጉሠ ነገሥት ዘኢትየጵያ ኢሉ ኣብ ቤቴ ክርስትያስ ተስየመ

ብ1828 ካሣ ተወሊዱ በትረሥልጣን ዝሓዘ ኻዓ 1855 -1 3 ሚያዝያ 1868
እቦ ካሣ ኣይተ ውልደገርግስ ኽበሃሉ እንዑ ኻዐ ወይዘሮ ኣትጠገብ ወንድወስን ይበሃላ: ቅድም ኢለን እንዳ ደጃት ሃይሉ ወጥቤት ሠራሕተኛ እንትነብራ ዳሓር ኮሶ ሸያጢት ኾይነን ካሣ ኣዕብየኖ
ካሥ ኻልእሕቲ ስበይቲ ጥሩወርቅ ውቤ ካብ ወይዘሮ ኸፈይ ወልደሥላሴ ኣጋመ ንጉሥ ትግራ እንትኾና ካብ ተድሮስ ኣለምኣዮህ ወሊደን
ተድሮስ ምስሞተ ጥሩወርቅን ወዳን ብጀነራል ናቢር ተማሪኾም ንኢንግሊዝ እንትጋዓዙ ጥሩወርቅ ኣብ መንገዲ ሓሚመን እንትሞታ ኣዲኣባሓጎዔን ጠለቆት አንደርታ ተቀቢረን

ተድርስ ቤጌምድር ሸዋ ጎጃም መረሕቲን ንጉሥትን እንትድምስ ስ ንትግርይ ገፁ ቆላሕ እይበለን እካዳኣ ጉ ግሳን መርጫን ካብ ትግራይ ንቤጌምድር ተዓዲሞም ተድሮስ ንጉግሣ ደጅዝማችንመርጫ ብላተን ጌታ መዓርግ ሸይሙ ስንይዎም ትግራይ ብስላም ኸመሓድሩ ስንይዎም

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *