ኽዕልልዶ ወይስ ኽዕዊ!

News

ኽዕልልዶ ኽዕዊ ብዝኽዕሎ ድምፂ

ኽለሓይዶ ጨጉረይ ኽነፂ
ብሸራሮ ብመረብ ኸምዑውን ብፉፂ
ወገን ዝበልካዮ ኣማፂ
ሸሊኹ ዘራፂ
ኽሳድ ዕሸላት ደፍሳፂ::

ዓዲ ተበኪላ
በላዕ መንፀፉ ሓዚላ
ወገን እንተበልካዮ መንጢላ
ኽንደይኽትጋዓዝ ኢላ
ይውረድ ዝጉሒላ
ትደርብዮ ኣንጠልጢላ
ናብቱዱር ኦሞኬላ::

ዓይኒ ኹሑሎት
ደቀይ ወለላ
ዝመስሉ ስገን ምሸላ
ኸስተንትን ናትኹም ሞት
ኣእምሮይ ይስሕት
ምፍጣረይ ይሙግት::

እንተሳናብተካ/ኪ ቢቁርፂ
ብሂወት ኸምዘይትምለሱ
ልበይ እንትፈትሕ እንትፂ
ሞት እንትዕንድ እንትፋፂ:
ምፍጣረይ ብሰብ ምስሊ ቅርፂ::

ኺድ ምኽያድካ ዘይቀርይ ካብኮነ
ኺዲ ምኽያድኪ ዘይቀርይ ካብኮነ
ኣነ: ወሲነ:
ፀሊኤካ ኣይኮንኩን ኣማሪረ
ፀሊኤኪ ኣይኮንኩን ኣማሪረ
ጢዕምካኒ/ጥዒምክኒ ሓባጭቆ እረ
እካዳኣ ጎኒ ማእገረይ እምኒ ዓረ
ብዘይ ዛኣኻ/ዛኣኺ ወጊሓ ኣይትምሰ
እንታይክ ምተገብረ
ፀወርቲ ገዛ
ዋልታ ዓንዲ
ምርኩስ ወለዲ::

መን ክኣልየን ዘንእንስሳ
መን ኽወርዶ ንዕዳጋ
ተሸኪሙ ጌሾ ይኹን ዳጉሳ:
ኣታ ኽላ:
መን ኽጥሕኖ ኣተር ምሸላ:
መን ክሽከሞ እትሮ ማይ
ኣይንዑ ሑቐ ኻኣላይ::

ሓንቲ መዓልቲ እካ ነዋሕ
እንካንዶ ዝንተ ዘለዓለም
ብኣካል ፍልልይ::

ኣዶኹም ኣዝያ ሸምጊላ
ዘይንሳ መሲላ
ፉሕ ምስበልኩም ኸምቆቓሕ
ሎሚ ይኹን ፅባሕ::

እንትሰናበተካ/ኪ እናተፈለጠኒ
ሞይትካ/ምይትኪ እንትብሉኒ
መሬት ትኾን ቁኒ
ዓዒንተይ ይጠልመኒ
ናብዝኣትዎ ይጨነቀኒ
ጉድጋድ ትውሕጠኒ
በቃ ኽብል ዓለም ደሓን ኹኒ::

እግረይ ተኾርሚቱ
እዝነይ ተለኺቱ
መዓት ወረደኒ
ከምዘሽረኒ
መኣዝ ጠፊዑኒ::

በቃ ኺድ/ዲ
ምኻድ ዘይቀርይ ካብኮነስ
ምዕንተ ኽብሪ ሃገር
ንፅህ ደምካ/ኪ ይፍስስ
ዕልልዶ ኽብል ክሕጎስ
ክዕውይዶ መልቀስ
ወደይ/ጋለይ ተሳናብት
ዳግማይ ዘይምለስ
ዳግማይ ዘይትምለስ::

ዝገብሮ ዝብሎ ጠፍፋኒ
ኣታ ንገሩኒ
ምንባርዶ ሞት ይሕሸኒ::

በቃ ደጊም ጎዛና ይፍረስ
ይትሓረስ
ይጋልቦ ፈረስ
ዓውዲ ውግዕ ኾይኑ
ብደም ይትሓመስ
ኽሳዕ መፃኢ ውልድ ወለዶ
ኣእፅምቲ ስውኣት ዝኸበዶ
ሓወልቲ ተኺሉ ከስተናግዶ
ደጊምዶ ወደይ ኸይምለስ
ጋለይዶ ኸይትምለስ:
ሕድሮም ግን ኸይድምስስ
ሓወልቲ ይቁም ደበስ::

ፀላኢ ኸይሕጎስ
ዳግማይኸይምለስ:
ኣነውን ኣስተርሕየ
ደንጎላ ክትርኣስ
ዝንተዓለም ብሰላም ክድቅስ::

ያሬድ ሑልፍ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *