ገንዘብ

News

ገንዘብ ‘ዛ ሸርሙጣ
ትማሊ ምሳኻ ሓዲራ፣ ውዒላ፣
ኣፋ ኣሞጥፙጣ፣
ዝእመን ዘይብላ!
ሎሚ ተገልቢጣ
‘ኣያይ’ ትብለኒ ኣላ፣
ካብ ጁባ ናብ ጁባ
እናተሳገረት
ሰብ ተዋድቕ አላ
ፍቕሪ እናባረረት፣
ዝፋቶ ሰብ ኩሉ ይጻላእ ብገንዘብ፣
ኩሉ ድኣ ይፍለጦ፣
ኩሉ ይትዓዝብ።
ገንዘብ እንትትረክብ
ተሎ ኣብ ሞያ አውዕሎ፣
መሊቑ ‘ንተይከደ
እንተይጠፍአ ‘ንተሎ።
ሓደሻዕ ምስ ወጸ ምሉቕ፣ መሰስ ኢሉ፣
ጠፊኡ ይቐሪይ እምበር
መምለሲ ነይብሉ።

ገ/ኢ. ጐርፉ

1 thought on “ገንዘብ

  1. ተዓዛዚብና!
    =======
    ረቢሕና በዚሕና ብቕንፍጽ ተባዚሕና፥
    ዋጋ ህየት እንናተከፍለ ንዓወት ጨሪሕና።

    ኣብ ክንዲ ዲልና ወሪቑ ድምቐቱ ዝበዝሕ፥
    ሕዳርናይ ህዝቢ ዝርዛሕ ንብዓቱ ይርንዝሕ።

    ሸቶ ዕላማ እንታይ ምንባሩ ጠፊኡና፥
    ዓስቢ ሓርነት ብጭርናዓት ተኮሊፍና።

    ‘ቲ ሰፍ ዘይብል ረዚን መዳርግቲ ዘይብሉ መስዋእቲ፣
    ‘ቲ ድንቒ ተወፋይነት ተጻሪዩ ዝሓለፈ ብሞኹባዕቲ።

    ኸንቱ ንከንቱ ጭርሖ ጥራይ እንዶ ኮይኑ ተሪፉ፣
    ቃልን ግብርን ዘይሳነ፡ነዚ’ድዩ ‘ቲ ኩሉ ተሃሪፉ።

    ከም ህርፎት ልብ’ዶ ካብ ባሕሪ ልብና ዝሃረፍናዮ፣
    ኣብ ማዕሙቕ ከብሒ ውሽጥና ሃንቃ ዘስፈርናዮ።

    ነቲ ፍቕዲ ኣልቦ መብጻዓታት ብእምነት ተቐቢልናዮ፣
    ሕቶ፡ርእይቶ፡ነቐፌታ ዘይብሉ ንኹሉ ሪዕሚናዮ።

    ንሪምካ ትረማረም-ጉዕዞካ ሃየ ይተዓረ (2x)

    ግን ጊዜ ብዙሕ ኣምሂሩና ንኹሉ ሪኢናዮ፣
    ሕርሕራይ ገቢርና ብዕምቆት ተዓዚብናዮ።

    ንብዓት እህታትና እንሻዕ ነቢዕናዮ፣
    ሓሞት ሓርማዝ ብጓሂ ጨሊጥናዮ።

    ቕስምና ተሰይሩ ብግብሪ መንደላይ ተመን፣
    ሓሳረ መኸራና ሲ’ኢኑ ሚዛን ዋጋ ተመን።

    ተዓዛዚብና ተዓዛዚብና ሓቂ ብሓቂ ተዓዛዚብና፣
    ሕድሪ ተዓይኑ ፍትሒ ተረጊጹ ተገፊፉ ቐልብና።

    ኹሉ ኣብ ልብና ጌርና፡ንነብዕ ኣለና ብውሽጥና፣
    ሕሉፍ ዘኺርና ምስ ህሉው ዓይርና ብዕይነ ሕልናና!!

    ተኮርሚካ ሞት፥ተዘርጊሕካ ሞት
    ኩሉ ሓደ’ዩ ዓይንካ፡ኣይተዓመት።

    ፍታሕ ኣብ ኢድካ’ዩ፡ተልዓል ንሓርነትካ፣
    ኣይትበል ዕንይን ምንይ ተመንዚዕካ ክብርኻ።

    ኣይትፍራሕ ፍርሒ ኣይ’ኣትወካን’ዩ፡ናብ ከብዲ ኣዴኻ፣
    ጥራይ ተረማረም ንሪምካ፡ንሱ’ዩ እንኮ ዉጅ ዓደቦኻ።

    ‘ቲ በትሪ ኣብ ኢድካ፡ተመን ኣብ እግርካ፣
    ካብ ኰነ ተልዓል፡ድሎ ኣድልዎ ንማእገርካ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *