ኣነ ይገርመኒ
ሃንሳዕ ሃንሳዕ
ሕልሚ ይመስለኒ
ዓሻ ዱዩ ደንቆሮ
ንሕንና መውፂኢ ጨኒቑና
እንትንከባለል ጏሮ ንጏሮ
ንበልኦ ስዒንና
እካዶ ሕንካሮ
ሕክምና የለ ምህሮ
ሰላም የለ ኣምባጏሮ
ሞት ኣይትብሎ ንሮ
እግርና ተኣሲሩ
ኸምትሕረድ ደርሆ::
ንበሩ:
ኸምዘይንበር የለን
ግናከ ናዓይ ጎይታኹም ኣኽብሩ
ኣይፉል እተበልኩም
መእሰር ገመድኩም
ተሕፅሩ::
ኣነ ይገርመኒ
እዙይ እናፈለጠ
ሓርነት ነፂጉ
ብደም ዝጨቀየ
ደግማይ ባርነት ዝምነ
ንግዝያዊ ጥቅሚ
ነዊሕ ዘይጏዓዝ
ሽግር ፀገሙ ሥር ነቀል ዘይኮነ::
ዓሻ ድዩ ደንቆሮ
ወይስ ሕሙም ዝጎደሎ ኣእምሮ
ኽብሩ ሃገሩ ሸሊጉ
ባርነት ዘምሕሮ::
ዕሱብ ውልቀስ እንተገብሮ
ኣይኸውንን መስተንክሮ::
ኣነ እብዳን ዝቡሎ
ሓፉሸ ኣሜን ኢሉ እንትቅበሎ
እንጀራ ጊባቦ ሸሊጉ
እንትወፍር ንኽትልምን ቆሎ::
በላይ ኣምበላይ