ኣየ ናትካ ነግር
ዕማም ተሸፊንካ
ቐሚሽ ተኸዲንካ
ጎተት ጎተት፣
ጋውና፣
ርዕሲ ሽክና
ፈታው ኸርሱ የመና::
ተግባርካ ዑኩይ
ድቃስ ዝሳኣነ
ዓለም እናዛወነ
ባርዕ ትኹልዕ
ስብ ንስብ ክተባልዕ::
ንሱ በይን መዓንጣኡ ክትስልፍ
ዓውዲ ውግዕ::
ሓዊ እናቅቐቐለ ደኽታማት
ደም ኽተጉስዕ ምሸት ምሸት
ቐትሪ ቐትሪ
እንትፍርነሽ እንትዋሪ
ፐትሮ-ዶላር ኽኣሪ
ላዕልን ታሕቲን በራሪ
በይን ወነ በረኻ ኽዘምት
ሓያማት ገዲፊ ክትሞውት::
ኣበደን! ዘይሕለም ዘይሕሰብ
መስዋዕቲ ክጠልብ፣
ብጀካ ደም ካልኦት ስብ ኽቕለብ::
ይብኣስ ኢሉ
ንዖዖም ወኪሉ
ኽንዲ ኽንዲ ምግዳሉ
ኣብ ጎኒ ፀላዕቶም ተተኪሉ
ጫመኦም ይልሕስ ከምኣመሉ::
ሓቂ እንተደልዩ
ብንፁህ ሕሊንዩ፣
ዝሳተፎ ባዕሉ
ንፍትሒ ወኪሉ፣
ነቶም ናተይ ዝብሎም፣
ዝነብሩ ኣብ ማዕኸሉ
ኤልየት ፍልስጤም ክብደሉ
ኣበይ ዳኣሎ ጥሒሉ
ከም ኣብ ማይ ዝኣተወት ኣንጭዋ
ኣፅቒቱ ዝንካላሉ::
እሞ ደኣ ሕዚ እንታይ ወሰዶ ንኣፍሪካ
ዝብል ኣለኹልካ
ከም ስብ ዘይቖፅሮም
ባራዩ ተሸከምቲ ጋግ ገልጠም ታኒካ::
ሕንቂ ሕንቅሊተይ
ማይ ንዓቐብ
ሽንቲ ንድሕሪተይ::
በላይ ኣምበላይ