ውዲት ምስ ዕብዲት

News

ክዳነይ ሓጺበ ኣስጢሐዮ ‘ብከውሒ
ልብይ’ውን ሂበያ ኣንጺፈ ከም ሰውሒ
ስጡሕ ረጋጊጻ ዓይናቶ ኸይዳ፣
እግዚሄር ይፍለጦ ናይ ልባ፣ ናይ ከብዳ!

ቀደም ተራኺብና ወዮ ‘ንትንላለ፣
መንከ’ሞ ሐሰቦ ኸም እንፋላለ?
ፍቕሪ ተባሂሉ ከም ኣድጊ ህላለ፣
ሕይወት ዕብዳን’ዩ ፍቕርውን ጽላለ!

ፍቕርና ጀሚርና ብምሉእ ቅንዕና፣
ደፊእና፣ ደፊእና ምቕጻል ኣብዩና፣
ነዲዱ፣ ነዲዱ ምስ ጠፍአ ‘ቱ ሓዊ
ዝቖሰለ ልቢ ከመይ’ሉ ‘ሞ ይሓዊ?

ሓፍተይ እናበልኩ ምሒለ፣ ጥሒለ
ሩባ ኣሳጊረያ ‘ብዝባነይ ሓዚለ።
ንሳ ግን ኣብ ልባ ተንኮል ትሓንጊጣ
ጉዳ ምስተቐልዐ ኣዕይንታ ፈጢጣ!

ንልበይ አቑሲላ፣ ብሳእኒ ረጊጻ፣
ክትስሕቕ ፈቲና ኣስናና ገይጻ።
ሓቢእኻ ኣይሕባእ ልቢ ምስ ሓረረ፣
ፍቕሪ ተጸንቂቑ ኸይዱ ምስ ጸረረ።

ኣገሪሃትኒ፣ ልበይ አስምቢዳ!
ኣዋሪዳትኒ፣ ጉድ ሰሪሓ ኸይዳ።
ይኣኽለኒ ደጊም ትኺድ ንወጊዳ፣
እግዚሀር ይሃባ ናይ ልባ፣ ናይ ኢዳ።

‘ይምሓርካ’ በሉኒ፣ ምሕረት የውርደለይ!
ስቓየይ፣ ሕማመይ ሓጺር ይግበረለይ፣
ቀልጢፈ ክሓውይ ‘ኣዞኻ!’ በሉኒ፣
ሓቦ ንኽገብር ኣተባብዑኒ።
ገ/ኢ. ጐርፋ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *