ኢሳያስ በጊዕ ቖርበት ለበስ ተኹላ!

News
ኢሳያስ በጊዕ ቖርበት ለበስ ተኹላ!

ኢሳያስ በጊዕ ቖርበት ለበስ ይተኹላ

ኣቦ ፀውዕዎ ሥም መሪፆም ብሜላ

ኣዶ ተቐበላ እናዓለላ

መዓዝ ፈሊጠን ከምዘይታዓደላ

ፅንሕ ከበላ

መን ምኻኑ ኢሳያስ ኣለለያ።

ስብ ዝረኸቦ ዕዳ

መዓዝ መሲልወን ዝወለዳ

ስብ ዝናኸስ ኣርዮስ ቡዳ

ገበተ ጎሚዳ።

ሕንፍሽፍሽ ዘራጋይ ኢዋላ

ስብ ንስብ ዘናቁር ብታኼላ

እግሩ ዝረገፆ ኤሜኬላ

ብደም ስብ ዝሽቅት ዎሮበላ

ሠላም ነፊግዋ ህዝቢ ኹላ

እንተበለ ምህላላ

እንተኸደ ጥንቖላ

ፍንጪ ኣልቦ እኻ ዋላ::

ደቂሱ ኸይሓድር

ተሲዑ ኸይስድር

ሠሩሑ ኸይድረር

ወሊዱ ኸይሑገስ

ኣዕብዩ ኸይሙገስ

ተታኺሱ ኽይንትርዔስ

ሓሚሙ ኽይፍወስ

ደቂ ደቑ ደገ ኸየናፍስ

ምፍጣሩ ፀሊዑ

ኣብጥቓ እርጋኑ

ኽጉህይ ክትክዝ

ኣብ ቓሬዛ በኺቱ መንሚኑ

ዝቐብሮ ሲዒኑ

ኹላ ነኻል  ዕብስብስ

መሽለኺ ዘየለ ተ ትንፍስ

ሃገር ክድብርስ

ሕዝቢ ሕምስምስ።

ነገር ኢሳያስ

ርዕሱ ፍውስ

ኣጋንንቲ ቕራፅ ዲያብሎስ:

ዘይትሓስቦ ካብ ሰብ ማህፀን ይጥነስ።

ኢዙይዶ ነይሩ

ትፅቢት ገባር ተሸከመ ኣብማዕገሩ

ድሕሪ ኽንደይ ቃልሲ ተፃዊሩ

ሽደናት ገቢሩ

ኤረ ንግደፎ ናይ ኢሳያስ ጉሒላ

እንታይከ ረኸቦ ዋላ

እቲ ሕዝቢ ብጠቕላላ

ደሙ ኽፈስስ ካብ ኢላ

ሱቕ ኢሉ ዝፅበይ

ከም ዕውርቲ ጠበቅ/Blindskinks

ፀሓይ ክፅለው ኣብጊላ

ከይ ሓስቦ ዝኸውን ድራር  ሽላ፣

ኤሬ ተጓየይ ፍጠር ሜላ

ግዜ ኸይዓረበ

መሓውር ኸይረብረበ

ኣፍ ኸይተሎግመ

ዓይኒ ኸይተገሥመ።

ገቨላ ዶጎል

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *