ወይን:ወያነ!

News

ወይን:ወያነ!

ወይን ወይነ
ዓለም ጠንጢንካ ንምናነነ
ዓርሓ ማዕበል ፈዳይ ሕነ፣
ኣነ፣
ነዓኻ ኣሚነ
ክነብር ወሲነ
ከይሰግጥኩ በሪ ኽፊተ ክነብር ወሲነ።

እሞ ታይሞ
ስብ እንዲኻ ዘይትጋገይ
ግን ኣፅቢቐ ይፈልጥ ጌጋ ይኽለዔለይ
ምኻንካ ዓቢይሓዉይ
ኩፍዕ ግዜ እንትመፅዕ
እዋን ድፍዕ ድፍዕ
ኣሕሊፍካ ዘይትህብ ንባልዕ።

ሞይታ ኢሎም ብመፅዓን እንትጎትዋ ወላዲት
ኣነኻ በይን ዓቅመይ ክምክት
ታተ እናበልኩ እንትሳለይ እንትጉተት
ንድሕሪት ከይበልካ መነይ መነይ ትምክት
ኣበደን በልካዮም ኣዶ ኸይትእለይ
ዝተኸፈለ ይከፈል ኩላይ ደመይ
ኦዶ ወላዲት ቡዙሓት ትቅተል ከመይ።

እናበልካ ዝወየንካ ኹሉ ራሕሪሕካ
ንዓስርተ ሸውዓተ ዓመት ብረት ተሸኪምካ፣
ሓዊ እናነደድካ፣
ኸብዲ ከምዘይብሉ ጥምየት ተፃዊርካ።

ብፍላይብፍልይ እትዝገርመካ
ስባብ ዝዓስዔሰ ሻዕብያ ሓንጊርካ
እሞ ዝጠላም እናታሓናኾለካ
ዝገብሮን ዘይገብሮን፣
ዘጥዕመሉን ዘኽፈዐሉን፣
ዘይፈልጥ፣
ጠበቕ ኣይትብሎ እንቅርቢት ሕንግሪጥ።

ወያነ
ምዕባይ ሓው ዝሓረነ
ማዕገር ውፁዕ ሕዝቢ ዝሸፈነ
ቀልቀል ሞት ደገኣፍ ክደፍዕ ዝፈተነ
ካብ ኣንኮበራውያን መጉበቅቲ ዘድሓነ
መዓዝ ጠፊዑኒ ኣነ።

እንተተጋጌኻ
እንታሞ ስብ እንዲኻ
መስፋሕፋሕቲ መኪትካ
ሞት ትግራይ ዘድሔንካ
ወይን ኮርዒዳ
ዛሕዛሕካየም ኣብ ሺንጥሮ ሜዳ
እዝክር እዙይ ቅዱስ ቅያ
ተስንከለት ኣዶ ተላዒላ ክትበቅዕ ንጉያ።

ካብ መፀ ዘረባ ቅያ ጉያ ጉያ፣
እፈይ አሞጥሚጠ ቅድሚ ጉያ ጉያ
ክወቕሰካ ብዛዕባ ውርሲ ነብረት ሕርያ
ተዛሚድካ ምስ ኣዛብዕን ቡኻያ
መዓዝ ረሲዔዮ
እቲ ነብሲ ውፃዕ ነብሲ እቶ ቃልሲ ዘካየድካዮ።

ስብ እንዲኻ ተሸካም ሥጋ
ዘይትጋገይ መን ከምዘይነበረ ዘይገበረ ጌጋ
እይድንፁወንን ኣይህቦን ከቢድ ዋጋ
ብፍላይ ብፍላይ ተተነሲህካ/ Shrive ኣብዕዳጋ።

ከመይ ዘይትጋገ ስብ እንዲኻ
ብፍላይ ብፍላይ ዘይምፍላጥ ዝውዕሉ ምሳኻ
ቆርበት በጊዕ ተሸፈኑ ጎሓሉ ተኻሉ
ዝነጥፉ ክትግዕዚ ክም ጠስሚ
ሹፉን ላኻ

ኣነ ሕዚ ዘንቅደሉ
እንተይኮነስ ንምታይ ኣብ ጌጋ ዋዓልካ/ዋዓሉ
እንተይበልካ ካልኦትውን እንተይበሉ ኣሉ
ጌጋ ምፍፃሙ እማን እናበሉ
ግንከ ስጉምቲ ንኽወስዱ እንትምሕፀ፣ እትምሕሉ
ክዕረም ክብሉ፣
ኣገንዕ እልል በሉ።

ተመሰገን ኸበደ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *