ኸድንዙዙና ኽንደይ ዘይተገብረ!

News

ኸድንዙዙና ኽንደይ ዘይተገብረ!

እምነት ከም ሰቡ ድልየት
ግንከ እሸነት ናይ ስነልቦና ድኽነት!

ትሻዓተ ሞቒሕ
ዙርያ ምላሽ እብኽሳድና ጠምጢምና
ፃድቅን እናበልና
ምንምካ ዳኣ ገበን እንተይ ገበሩ
ብዘይካ ብእምነቶም ኣኽሩሮም ስለዝፀኑ
ኸርተት እንትብሉ እናተሃደኑ
ዓለም ኾኒንዎም መዕቆቢ እንትስዕኑ፣
ንሕና!
ብትሕትኛ ገዛና ኣዕቁብና
ንሱ ኸይኣክል ናይ እምነት መረሕትና ገርና
ፅቡቅ መሲሉና፣
ዘምፀኦ ሳዕቤን ከይፈለጥና
ወዲ ኹሊዖ ጥራይ እንተይኾነስ

ቡዙሓት ንጉሣት መንኪሶም
ግምጃ ተኸዲኖም
ቆቢዕ ኣብ ርዕሶም ደፊዕም፣
ንሱካ ኣይምኸፍዔን ምምናን እንታይ ኣበሰ
እግዚሔር እናመስገነ ብሰላም ንዝደቀሰ።

ጉዱ መዓቱ፣
ዳሪገሙና ምኻዶም ንዘንተ እለቱ
ካብ ባዓቲ ዝፍልፈሉ ዕስለ፣
ስብ ዝመስሉ
ደሙ ጭሊጦም ዝልሕሱ
ሥግዑ ጠቕሊሎም ዝኹልሱ
የማንፀጋም ዝዕገርግሩ
ዝወረ ርዎ እምባ ክወርሱ።

ከምዑ እውን መፅሓፍ እንተይኮነ
ሹቶል ጦር ኣብ ማዕገሩ ዝፀዓነ
ኣገው ንኽፀንቱ እጃሙ ዝወነነ
ድቃስ ሲኢኑ ዓይኑ ኸይደፈነ፣
እልል እናበልና
ናህና
ፍልይ ዝበለ ግርህና
ካብ ኣንኮበር ዓዲምና
ዓዲ ኣቡን ቤት መቅደስ ኣእትና
ከምገበል ኸይሓሰብናዮ ዊሒጡና።

ቆርበት ለበስ ኣባ ተኽለሃይማኖት ሃና
ናይ ይኩዮኣምላክ ዘብዔኛ
ከምቶም ብረት ታዓጢቆም ዘንፀቱና።

ንሕና በልካ መረሕትና
እንትንደግም መፅሓፍ ቁድስ ብራና
ብሓንደበት ብሽቶል ከምዘይንላዓል ወጊዑና።

ሕጂዶ ንድሕሪት ከይንምለስ
ዝፈሰሰ ማይ ዘይሕፈስ፣
ኤዛና በል ካሌብ
ከምዑውን ደቆም ደቂ ደቆም እንትስዕብ
ራሕሪሖም መንግሥታዊ ርኻብ
ዝመንኮሱ ክልዖት ኣቕሽቲ ኸምዝተሰኣኑ
መሪሕ ሓላፍነት እናጠንጠኑ።

ባዓቲታት ክፀርቡ ግዜ ዘባኸኑ
በሪ ጋሕ ኣቢሎም ሕዝቢ ክብትኑ
ንፀለዕቲ እድል ትብይኑ።

መን ሓሰቦ መን ኣስተንተኖ
ካብ ኣንኮበር ባዓቲ ቆፎ
ከም ንህቢ ዝብተኑ
ወሪሮም ዝበልዑ ሰብ እናሃደኑ።

ሕዚዶ ይሕይሽ ምድንጋፅ
ጥንቅሊዕት ወዲቓ ኣብረመፅ

ተወቲፍካ እብ ዓፍ ሓርገፅ
ጉግ ማንጉግ ዝራገፅ
ኽሳድካ እንትጉዕፀፅ።

እግዚሔር እልዎ ካብዙይ እንተዲሕና
ካልኣይ ከንጋገ ባዕዳውያን ኣሚና
ቁድሳት ይኹኑ
ኣጋንን ዝረግፁ መሬት ዓድና።

እምነት ካሊዕ
ግን መላገፃይ ሃይማኖት ትመርሕ
ሱቕ ኢልካ ምስማዕ
ናብምንታይ የምርሕ?

በዓል ኢዮስታትዮስ ኣማኒ እግዚሔር በሊሕ
ያሬድ ዘርዓ ያቆብ እናነበሩ
እንካንዶ ቁድሳን ክም ስብ ዘይተቖፀሩ
እንትዕሰሩ እንትባረሩ
ዝግባዕ ነበረ ንሳቶም እምነት ዝመርሑ ኽኽበሩ።

ፍርቆም ኣዕዳዎም ክቁረፁ፣ ኽስበሩ
ዝተረፉ ክዕሠሩ
እናረኤኻን እናስምዕኻን
ካብዞም ካብ ኦም ወሪዶም
ምኻድ ዝጀመሩ በርባዕተ እግሮም
ባዕዳውያን መሰልቲ ባሕታዎት
እንታይ ትፅበይ ቆቢዕ ተሸፍኖም
ክሸከሙ ታቦት!

Kaleab’s Cross-shaped Subterrian entrance in Aksum

ያሬድ ሕሉፍ

 

 

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *