ሓሶት!

News

ሓሶት!

ሓሶት እንትዳገም ብዘይዕቅን
ይሃጥርዶ ይምንምን
ይሓፍስዶ ይቀጥን
ይረግዕዶ ማጨባ ይኽውን።

ይውንጨፍዶ ይሳለይ
እናበለ ትለይ ትለይ።

ይግርሽዎዶ መሊሱ ይሓምም
ዕርቃነሥግዑ ይቓላዕ
ፈቆዶ ፅርግያ ፅባሕ ፅባሕ
ከም ዑቡድ ከሊቢዋዕ ዋዕ
ሓላፊ ኣግዳሚ ክባላዕ።

ወይስ ብታኣምር ይድሕን
ከም ቁዱስ ካባ ሓቂ ክድዕንን
በትረ ሥልጣን ክውንን
ዘይቕኑዕ መንገዲ ክትልም
ገርሂ ሳዓቱ ናብ ዘይወፆ መሃምቕ ክሰጥም።

ምሸት ንምሸቱ
ክምኣመሉ ኣፅልሚቱ
ምስ ሰይጣን ክዛተ
ዕውት ዕማሙ እናፈትፈተ
ምድረ ዓዳም ዓለም ዘካተተ
ከምዘዕመና እዝና እናጎተ
ሓንቲለይቲ ከም ኣመሉ በሪ እንተኸፈተ
ካቶም ተመልመሉ ሠራዊት ሓሶት ኣርባዕተ
ረሸንዎ ንጉሥ ሓሶት ወዲቑ ተኸርተተ

ንምንታይ ሓሶት ንሓሶት ቐተለ እንተበለ?
ውሹጡ ጉጡም፣
ሓሶት ብሓሶት ይድምደም።
ንሕና ክዓ ዘምሄርካና ብቕንዕና
ኣብ ግብሪ ንፍትና።

እናተቐመመ
ሓሶት ንመን ጠቐመ
ንገሩና እንተልዩ ወረ ካብዑ ዝጣዓመ።

ተመስገን ኸበደ

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *