እምቢ! እምቢ!!

Poems

ያሬድ ሑሉፍ

 

እምቢ ኣይማሓርን ቓንቓ እንዳማተይ

ናይባዖለይ እንቶለኒ ናተይ

መታዓብይተይ

ዘይተለቓሕኽዎ  ኻብ ጎረበቤተይ

ውረድ ተዋረድ ናይወለደይ ብተይ:

 

እምቢ ኣይማሓርን ቓንቓ እንዳማተይ

ኣብዓለም መድረኽ ኣይብላይ ኣይስተይ

ሓቀኛ ታሪኽ ዘይዝትይ

ዘይፀውር ሳንሳዊ ፍረ

ብጀካ ወረ

በሉኽን በለክን

እግርኽን ፕምጥኽን

መቓላመጢ

ኣፈኛ ሽቃጢ

ሽርዳዳይ ሽምጣጢ::

 

 

እምቢ ንቓንቓ ቑርዲድ

ኣርስ መስልካ ዝቖይድ

ታሪኽካ ኸይረጉድ

ንቕድሚት ኸይኸይድ

ኸይውንጨፍ ኸይነጉድ::

 

ንቓንቓ ዝቢኢ

ሑሩመይ እምቢ

ብፍልጠት ክልኦት 

ተተርኢሱ  ዝዓቢ 

ሕሱም ጥንቢ

ፀረ ውፁዕ ሕዝቢ

ውድቀቶም ዝምነይ ዝትምቢ::

 

 

የፋለይን እምቢ

ካብምስእዙይ ዝዓቢ

እናተለተምኩ ኸምዝንቢ::

 

እቢ ኣይማሓርን ቓንቓ እንዳማተይ

ዋላ ንደንቁር  ንዖረቅ : ንድከይ::

እቢ ኣይማሓርን ቓንቓ እንዳማተይ

ናዓይ ንኸንበርኽኽ ዘዓለመ ምስእዓልየተይ

 

እቢ ኣይማሓርን ቓንቓ ሓራጅ

ብፍላይ ብፍላይ ውላጅ

ኻፍቱይ ኣፍቱይ ዝተጠራቀመ ኹራጅ::

 

እቢ ኣይማሓርን ባዖዳዊ ቓንቓ

ዓሻኽ ዒቓ

ንዘኾለስት ጎሮሮ ዝሓንቓ::

 

ንዮው በሎ ዝዓማፂ

ኸይትላዓል ዝደርፃፂ

ዝዘራፊ : ዝጠላፊ

ዘይገብሮ ለፍላፊ

መስል ኣርስ ስብ ገፋፊ

ብረሓፁ ካልኦት ተሞጋሲ

ንጥቅሙ ተበጋሲ

ንኻልኦት ዘይብል ብጀካ ኣርሲ::

 

እምቢ

ድሕሪ ደጊም

እንታይ ኽድገም

ተኻዒዉ ንፁሕ ደም

ተኸስኪሱ ዓፅሚ ኣዳም

ፈቆዶ ሺንጥሮ

ፎቀዶ ገደል

በዚ ሑሱም ገበል::

 

ኽፈት ዓይንኻ ቖላሕ በል

ኽንደሻዖ ኣሎ በደል

ታይ ኽሳዖ ዝኾውን ትፁበይ

ይኣክል በል ይኣክል::

 

 

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *