ተቀበለኒ ዝናረይ
ኹላይ ሰናዲረይ
ሓውይ ወዲ ኣደይ
ኣይደኸምኩን ኣይበልኩን ረይረይ
ጥይት መንዚዕዋ
ተቓላሲት ኢደይ
ደመይ ይፍሰስ
ይስተዮ መሬት ኣዲ ኣቦይ
ኾላይ ወላዲተይ
የብቑል ፍዮሪታት ዝብል ለይለይ::
ኣብ ዘለኻ ኣሊኻ
ኣብ ሩሑቅ ይኹን ቀረባ
ይመችው ወይም ይኽፋእኻ
ተቀበለኒ ዝናረይ
ታዓጠቅ ብረተይ
ኹን ፈዳይ ሕነይ:
ሕድሪ ኣለካ
ናይ ስውኣት ዓሕዋትካ/ኣሓትካ
ከይኣክል ናይ ባዕዳውያን መፅቐቲ
ዝበኣሰ ናይ ውሺጢ ፀላዕቲ
ኹላይ ላንጋ ላንጋ መንጨብጨብቲ
ብደም ሱውኣት ነገድቲ
ሃገር ንኽሸጡ
ዝብሉ ላዕሊን ታሕቲ::
ደምስሶም ተለዓል ደምስሶም
ካብቶ ሃፄያውን
ዝገደዱ ንሶም::
ኣብ ዘለኻዮ ኣርድ
ሎንደን በሎ ሲያትል:
ስዊድን በሎ ጊስን:
ቶሮንቶ ኾላይ ኣዲ ሃሎ
ቦሎ: ቦሎ: ቦሎ
ክሳዕ ዝኣኽሎ::
ክንደሻዕ ኣሎ
ኽትፃወሮ
እዚ ስቃይ ሃገር መንሽሮ::
ወላዲት ክትርገም
ትሸዓተ ወርሒዶ ኢሳያስ ክትሽከም!
ጠንቂ ሃገር
ዘይሓስብ ቁምነገር
እንፃር ሕዝቢ-ነበር
ሞትን ዕንወትን
ዝምሣሕ ዝድረር::
ይኣኽሎ
ኽንደሻዕ ኣሎ!
ኣብ ዘኣተዎ ኣቲኻ
ቦሎ ቦሎ
ክሳዕ ዝኣኽሎ
ብረት ተዓጢቁ
ደም ንፁሃን ፀሚቁ
ኣእፅምቶም ጨፍሊቁ
ኣካሎም ቦጣሊቁ
ኣፀላም ወኽኒ ዓሚቑ
ክንደሳዕ ኽነብር
ሲሕቑ:
ወዲ ስብ ኒዒቑ::
ቦሎ ቦሎ
ክሳዕ ዝኣኽሎ
በቱ ዝፈልጦ ናይ ዓመፅ ቓንቓ
ኣዛርቦ ኽሳዕ ይኣኽለኒ ዝብል በቃ::
ሕድሪ ኣለካ
ሕድሪ ዞም ስውኣት
ላምባድዛ ይቦርበር ይካዓት
ይቀበሩ ዓዶም እዞም ተባዓት
ዘኽሪ መሪር ጉዕዞ
ገድሊ ሓርነት ዝመዘዞ::
በላይ ኣምበላይ