ጋሻ

News

ዘይሐልፍ ጋሻ ኣጥቢቕካ ስዓሞ
ዝብል ጽዋ ጥንቲ ቀደም ወለድና
ሎሚ ዝመጸና ሓድሽ ጋሻ ግና
ብመረብ ወሪዱ ኣትባራ ዝጽምበር
ምኣዝ ሰብከ ኾይኑ፣ ጋሻ-ውሕጅ እምበር።
ጋሻ-ውሕጅ’ዩ፣ ማንም ዘይሓለሞ፣
ሒዙካ እንትኸይድ ጋሻ-ውሕጅ’ሞ
ከመይ ጌርካ ኢኻ ኣጥቢቕካ ‘ትስዕሞ?

ውሕጅ ዓማጺጹ ምስ ገላበጠካ፣
ሓሬት ማይ ሰቲኻ፣ ጣኒኻ ምስ ሞትካ፣
በድኒ፣ ሬሳ እምበር፣ ምኣዝከ ሰብ ኴንካ!
በል እምበኣር ስማዕ ኣነስ ዝመኽረካ
ብለይቲ ተንሲእኻ፣ ውሕሉል ኣስተንቲንካ፣
ብቐውዒ፣ ብሓጋይ ማይ ከየርከበካ
ሃዲእኻ ሓሲብካ፣ ኣንዊሕኻ ዓሊምካ፣
ንውሕጅ መገዲ ኽፈት ኣቕዲምካ።
ገ/ኢ. ጐርፉ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *