ብርሃነ መስቀል!

News

ብርሃነ መስቀል!

ኣንታዞም ኣንኮበር ሸዋ
ኽንደይ ይጭኩኑ
ዝብላዕ ዘይሳኣኑ
ኸምድኩላ ሥጋ ስብ ዝሃድኑ
መሬት ተደርብዩ ኽብስብስ፣ ኽጨኑ
መሲልዎም እድሜዖም ዘስስኑ
ዘይፈልጡ ሞት ስብ ዘይእዋኑ
ዋላ ሓንቲ ዘይጠቕሞም ንምኳኑ

እንትቀትሉ፣ እንትሰልቡ
ሰብ ንሰቡ
ምሁራት ዘንበቡ
ዝበሰሉ ዘዓምበቡ
ልቢ ስብ ዝስሕቡ።

ኽንደይ ይጭኩኑ
ሚሒር እንትቀንዑ
ድቃስ እንትስእኑ
ደሊኻ ዘይትኩዑ ብእዋኑ

ኽንደይ ኢልካ መናዕስይ ተጋሩ
ብጥይት ልቦም ዘሕረሩ
ዞም ኣንኮብር ቦኻሩ
ዘይ ንጥፍኣት ንቕንዕኛ ዘይወገኑ።

ብርሃነ መስቁል ረዳ
ዝረኸቦ ዕዳ
ገና ታተ ኸይበለ ኣብ ገዝዑ ጓዳ
ኣቡዑ ዝሞቱ ብለበዳ

ደሴ እንትዓብይ
ይውጋሕ ይምስይ
ቅድሚ ኣስካላን፣ መልሲን
ዝፍፅሞ እጃም ውሱን
ነይርዎ ናይ ግድን።

በቅሊ ተኸቲሉ ተቸጊሩ
ኮስ ኮስ እናበለ ጥራሕ እግሩ
ዝዕበይዎ ኣኩዑ
ባዓል ሣልሣይ ዳኛ ሹመት
ኣብፂሑ ክመልስ
ደጋኣፍ ፍርዲ ቤት፣።

ኸምዕውን፣ በቕሊ ንጉሆ ኣሲሩ
ሣዕሪ ረብሪቡ
ዝስተ ማይ ኣቕሪቡ
ንምህሮ ምዕራቡ።

ኸምቶም ኻልዖት ተጋሩ
እጫፋንታ ኾይኑ ኸም ሃገሩ

ንሱውን ከይተሓለለ እግዚሔር ኣማሪሩ
እዙይ መግረፍቲ ተፃዊሩ
ነጎደ ክመብረቅ ተማሂሩ
ኣብ ዓይኒ ስብ ክኣትው ፈንጢሩ
ናዕድን ክብሪን ፀንቢሩ።

ብርሃነ፣ ጎልበት እካ የመና
ግንከ ግርማን ቀመና
መን ከርክቦ ትሕቲ ደመና።

ሓይሉ ኣብ ርዕሱ
ድፍረትውን ነጊሡ
መን ይቕረብ ጥቓ ነብሱ
ስሙ እንትፅዋዕ ፈታዊን ፀላዕን ኹሎም ዕንቅዓ ይትንፍሱ።

ብርሃነ መስቀል
ትግራይ ቦቆል
እንትጮ ጎልጎል
ዘረብዑ ሡር ነቀል
ኣስተምህሮ ዘይፍንቀል
ስምዕ ዊዒልካ ተትሓድር
ዘይምኖ እዝኒ ዘየድንቁር።

ብርሃነመስቀል ረዳ
ናይመድረኽ ነጎዳ
ዝባራዕ እሳተ ጎመራ
ኣዳራሽ ዝኹልዕ ዳመራ
ድብልቕልቕ ዘብል ህዝቢ
ብናዕቢ
እንትዛረብ መስተንከር ሓቢቢ
እንትትንቢ።

ግናኸ ዞም ሓሳዳት
ኣይግዝዑ ብሕጊ ፣ ብሥርዓት
ኣይድቅሱ ብቅንኣት
ከይቆረፁ ናይ ትግራዋይ ክሳድ
ብፍላይ ብፍላይ
ውኑን ተጋዳላይ
ፍትሒ ንምምስራት
እምቢ ዝበለ መግዛዕቲ ደናቑር ዕቡያት፣
ዶንከ ከመሓዳድሩ
ባዕሎም ኢዶም ምሕፃብ ዝሽገሩ።

ቀተልዎ ብንዕስነቱ
ብዘየግድሽ መሰል ነፃነቱ
ክዛረብ ኽነብር ኣብመረበቱ
ፈላጥ ሰሪሑ ዝኣቱ።

ኣብ ዕግሪ ኦም
ቀተልዎ ኣጋዲሞም
ክዕንግሉ ናይ ደም ፅምኦም
ውድቀቶም ብምቅታል ዛሓልፍ መሲልዎም።

ድሕሪ ዳርጋ ሓምሳ ዓመት
ሞት
ኣብታ ዝሾኩዕዎ ግብኣተ መሬት
ብታኣምር ማሾ ተወለዔት
መለኮታዊ ነፀብራቅ ቀለም
ካዓ መልዕኽቲ ሓንፀፀት፣
“ዳግማይ የልቦን ሞት
ብርሃነ መስቀል እንትድምሰስ
ኣክንዲክንድዕ ብርሃን ተኾለዔት፣
ደጊማ ትግራይ ኣይትኽርበት፣
ኣይትሰምጥን ናብ ግብ ዝበለ ፀልማት።

ብላዕሊን ብታሕቲ መቃብር፣
በሓባር
ክንቃለስ እና ፍትሒ ኽነኽብር፣
ባርነት ክንሰብር
ብብርሃነ እንተልይ ኩም ጥርጥር
ስብሓት፣ ግደይ፣ ረዘነ፣ ብርሃነ ኢያሱ፣ ተስፋይ: ኣባይ፣ ጥላሁን
ኾታስ ኣዕላፍ ኽንደይ ኢለ ኽድርድር
ይቅረቡ ምስክር።
ኽንደሳዕ ኣሎ ዕንኪሊል ዕግርግር።

በላይ ኣምበላይ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *