ናዓ ተለሄ ተቆፀ ግንቦት 16/24 ካብመፀ!

News

ናዓ ተለሄ ተቆፀ ግንቦት 16/24 ካብመፀ!

ናዓ ተለሄ ተቆፀ
ሓዱሽ ወረ መፂዑ ዓለም ዘደንግፀ
ምሕዛን ተረሲዑ ታሕጋስ ተመረፀ
ነፃነት ጠፊዑ ባርነት ካብ መፀ
ሓዱሽ ፍልስፍና ሳይንስ ዝረገፀ።

ግንቦት 16/83 ሽፍታ ሲዒሩ ሃገር ዝዓመፀ
ዘየሓንኽ ጨጉሩ ኣጎቲኑ ሥጋ እጣል እናጋሃፀ
ስተ ት ኢሉ ኣትዩ በለ ኣነ እየ ሓዱሽ ሃፄ
ሱኑ እንዳጉመፅመፀ።

ይጥዓምኩም፣ ይኽፍዕኩም
ኣነ ዝበልክዎ እናበልኩም፣
ኣነ እናበላዕኹ ንሱኹም እናጠምኹም፣
ኣነ እናስተይኩ ንስኻትኩም እናፀማዕኹም፣
ኣነ እናተኸደንኩ እስኻትኩም እናዓረቁም፣
ኣነ እንዳደቀስኩ ንስኹም እናባህረርኩም፣
ሓልውዋ ዛሃገር ባርነት እናኽበርኩም።

ከየጋግይኹም ባርነት ጥዑም
ናፅነት ንየው እንታይ ክገብረልኩም
ናፅነት ፀሃይዩ
ባርነት ኣፍርዩ
ብድሕሪዑ ተላሃዩ ተቆፀዩ
ነዓይ ካዐ ከም እዝጊ ረዓዩ
ማንም ኸይሰምዑ፣ማንም ኸይትሓርይዩ
ከይትኮኑ ሓራ ብጀካ ባራዩ፣
እዙይ ራዒይ/vision ሓዳሽ ኤርትያ እዩ
ኽይትጋገዩ።

በላይ ኣምበላይ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *