ታዓገስ!
ዝባን ሕጊ፣
ዝባን ዓዲ፣
ዝባን ስውኣት ታዓገስ፣
ነገር ኣይትጎስጉስ
ከይኣክል ገዛይ ክተፍርስ፣
ሕዚ መረባይ ጢሒስካ ጥልዕ ጎምበስ
ትብል ዕግርግር ትርምስምስ
ንስኻ መን ይብሉኻ ውዕል ፈሰስ
ኣማኒኻ እትጣረስ
ዘብለዔካ ኢድ ትናኸስ
ኸብደይ ብጥርሑ
ነዓኻ ኸኹልስ
ኢደይ ስሊዔ ነዓኻ ከሑግስ
ዋኒነይ ገዲፈ ማሕረስካ ክሓርስ
ማዕፆይ ሾጊረ ገዛካ ኸጣይሽ
ደቀይ ራሕሪሔ ደቅኻ ኸጋይሽ
ንስኻ ምንቀኛ ዘይትህርስ
ብሂወት ክትነብር ንፁህ ደሙ እንትፈስስ።
ጠላም ኣጋስስ
ኽብሪ ዘይብልካ ግብረ ሞጎስ
ኣብ ኦም ተንጠልጠለ ገበል
ሓላፋይ ኣግዳማይ ዝታናኾል
ወፂዑ ገዝዑ ኸይተመልሰ ዝዕብልል
ከይሓስበ ኣብኸብድኻ ኽኣጅል።
ኽብሪ ሞት ዘጓድል
ሓመደ ድበ ዝኽልክል
ቤትስብ ቀቢፆም ቐቢሮም ከይዓርፉ
ዝንተ ዓለም ክነብሩ እናንተሳፈፉ።
ምሳካ ዘቓረየትኒ እዋን
ናይ ፈጣሪ ርግማን
ሓሳድ ርጉም ድያብሎስ ርኹስ
ብውድቀት ስብ ዝሕጎስ።
ተዘኪሮምኒ ኣዳምን ሄዋን
እቲ ቕራስ ደምካ፣ ሓውካ ኑዑስ
መንደላይ ተመን ሑቐ ልውስ
ባይታ ገዲፉ ነገር ዝልሕስ
ምውቅ ግዝኦም ትሕምስ።
በላይ ኣምበላይ