ሓውዜን

Poems

(ብያሬድ ሑሉፍ) –

ስብ ይኹን እንሳሳ
ቆልዓ ይኹን ጎረምሳ
ሰብኣይ ይኹን ቆልዑዝሓረሳ
ዝአረጉ ኸምዑውን ዘፍለሳ
ሓረስታይ በሎ ተሽካሚ ቦርሳ
ተመሃራይ ኾነ ሓላው ጤል ጏሣ
ተኸዳን ጋሣ
ኾታስ መን ተሪፉ ሲኦል ዘይቀመሳ:
ሓውዜን ተሓሚሳ::

ሰማይን መሬት ተሓዊሱ
እዳጋ ብቦንቢ ተሓሪሱ
ፍጥረት ኩሉ
ተሰንኪሉ
ንብርት ተደምሲሱ
ደም ከምውሕጅ ፈሲሱ
ምስ ንብዓት ብኣካል ዝተረፉ ተሓዊሱ
ወሓጄ ንተከዘ ሬሳ ተተርኢሱ
ሓራግፅ ኸኽመስምሱ
ኣፎም ኸፊቶም
ፍጥረት አዳም
ኽኹልሱ:
ትግራዋይ ኸይአክል ኽቭሩ ተደርሚሱ
ብደው ረኺሱ
ንጥምይ ንስደት ተጋሊፁ
ትሕቲ ሰብ ተረጊፁ::

ሓውዜን እንታይ በደልኪ
ዝኩሉ በትሪ ዘውረደልኺ
ስሪቂዶ ጉሒልኺ
አሚፅኪዶ ገቢትኺ
መሬት እንዳማትኪ ዘይናትኪ
ቃል ኪዳን አፍሪስኪዶ ሽርሚጥኪ
ምስ ጣልያን ደቂስኪ
ኸም ሚኒልክ ስንኪ:
አይፋልኪን!!

አይሮብላን ዝፈጠረ ኢዱ ይስብር
ናይ አምሓራ ናይአረብ ሽንከረር
ዝፀአና አረር ዘይስበር
እንትወርድ ከምኖህ እንትውርወር
አይግበርኺ ተቀባላይ ማዕገር
ክምሑርጭ ኸይትድቆስ ኸይትድከር
ኸም ገርሂ ሓውዜናይ
ንጉሆ ወፅዑ ምሽታምሽት ገዛ ዘይምለስ::
ከም ኣባሓጉዑ እዳጋ መቀለ
ቀርዩ ተሼኸለ
በምሓራ ሼርሒ ብእንግሊዝ ሓኸለ
ሺዑ ለለ እናዓለለ
አብ ስማይ ምስዓሰለ:
እሳተጎመራ ኾለኤ
መሬት ቀውጢ ኾነት መቀለ::

ሓውዜን
ንገርያ ንሑመራ
ንገርያ ንማይ ካድራ
ንገርየን ምዕራብ ትግራይ ኹለን ብሓበራ:
ራማ ዛላኣምበሳ
ዑፈይ እለን ኸይድቅሳ
ሑሱም ፀላእ ጎረቤት ኸስታውሳ
ሕልሙን ትምኒቱን ቀቲሉ
ኽጎተን ኸምሬሳ
እንተስ ንተከዜ አንኮበር ኸበሳ:
ጠቢሱ ኽበልዔን ኸምደረቅ ዓሣ:
ሓውዜን እየ በልየን ኸስታውሳ
ዛባን ሙውታን
ኽልተሺን 10 ሓምሳን
አዲዖም ትቁፀሮም ቁሱላት
ናይ ስነ አእምሮ በስላት:
ፄርካ ንኽትኼይድ
ዝንተዓለም ዝኸብድ:
ውሉድ ምስወለዶ ዘስበድብድ::

 

Click here to display content from YouTube.
Learn more in YouTube’s privacy policy.

 

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *