….ትግራዋይ/ወይቲ ማለት
ሺመት ኣይኾነን ስዕረት:
ሃብቲ ኣይኾነን ድኽነት
ቅይሒ ኣይኾነን ፅልመት:
ርጉዲ ኣይኾነን ሽንቅት መቐነት
ሕፅረት ኣይኾነን ነዊሕ ቁመት:
ወገን ኣይኾነን ዓልየት
ዓኻይ ኣይኾነን ባላባት:
ስበይቲ ኣይኾነትን ስብኣይ
ቆልዓ ኣይኾነን ዕባይ
ደፋእ ድንኩል ሓረስታይ:
ይሕመቅ ይፀብቅ
ናይሓሳብ ፍልቅልቅ
ዓንዲ ፖለቲካ ፍልላይ::
መሓይም ይኹን ሊቀ ሊቃውንት
ብድልየት ኣይኾነን ብፍትውት
….ትግራዋይ/ወይቲ ማለት::
ንስኻ ንስኺ ንሱ
ንሳ ንባዕለይ ሓዊሱ:
ምድራዊ ይኹን ብተፈጥሮ
ምፍልላይ ዘስዕቦ ኣስተንክሮ
ብዘይግድሽ
ሓብርና ንምርሽ:
ኽንደሻዕ ትጋገይ
ደመኛ ኽስሕቅ ኽላሃይ
ተናበብ ተመዓራረይ:
በኣኻ/ብኣና ንዘይሑጎሱ
ኽንዶም ኽትርኣሱ::
ያሬድ ሑልፍ